ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኣሜሪካ ዝነበረን ድሕሪኡ ጠበቓ ሳዳም ሑሴን ኮይኑ ዘገልገለን ራምሲ ክላርክ ኣብ መበል 93 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ። ንሶሎበዳን ሚሎሰቪች`ውን ተኸላኻላይ ጠበቓ ኮይኑ ዝቖመ ራምሲ ክላርክ ኣብ 1960`ታት ላዕላዋይ በዓል-ስልጣን ኣኽባሪ ሕጊ ኣሜሪካ ኮይኑ ኣገልጊሉ`ዩ።
ራምሲ ክላርክ ዝሓለፈ ዓርቢ 9 ሚያዝያ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ መበል 93 ዓመቱ `ዩ ዓሪፉ ። ሊበራል ወይ ገስጋሲ ኣተሓሳስባ ዝነበሮ ፍሉጥ ኣኽባሪ ሕጊ ኣሜሪካ ኔሩ። ፖለቲካዊ ኣረኣእይኡ ፍልይ ዝበለ ኮይኑ ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ሊንደን ጆንሰን፡ ንሱ ዝመርሖ ዝነበረ ሚኒስትሪ ፍትሒ፡ ንፍሉጥ ደራስን ሓኪም ቆልዑን ዝነበረ በንጃሚን ስፖክ፡ ኣንጻር ኩናት ቬትናም ንዝተቓወሙ ኣመሪካውያን ናብ ኩናት ቬትናም ከይወፍሩ ንክሕብኡ ሓጊዝካ ኢሉ ናብ ፍርዲ ኣቕሪቡዎ።
ብኻልእ ወገን ከኣ፡ ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣታት ኣሜሪካ ዓሌታዊ ፍልልይ ዘይብላ ቀዳመይቲ ትምህርቲ ክትክፈትን ናይ ምምራጽ መሰላት ክትግበርን ሰሪሑ።
ኣብ 1969 ካብ መንግስቲ ክወጽእ ከሎ ተሪር ነቓፊ ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ ኮይኑ- ኣጽናቲ ዓሌት ክብል`ውን ጸዊዕዎ-ንወተሃደራዊ ባጀት ኣመሪካ`ውን ናይ ሓጥያት ምስክርነት ኢልዎ። ጸኒሑ ነቶም ዘይህቡባት ዝብሃሉ ሰባት ጠበቓ ክቖመሎም በቒዑ። ንመራሒ ዒራቕ ዝነበረ ሳዳም ሑሴን፡ ብገበናት ኩናት ንዝተኸሰሰ መራሒ ዩጎዝላቪያ ዝነበረ ስሎቦዳን ሚሎሰቪች፡ ከምኡ`ውን Black Panther ዝነበረ ኣብ ፐንሲልቨንያ ንፖሊስ ብምቕታል ንዝተኸሰሰ ሙምያ ኣቡ ጀማል ጠበቓ ቆይምሎም። ራምሲ ክላርክዝኾነ ሰብ ወላ ዘይህቡብ እንተኾነ- ስሩዕ ተኸላኻሊ ጠበቓ ክረክብ ኣለዎ ዝብል እምነት ኔርዎ።
ብሞት ክላርክ ካብ ዝሓዘንሉ ሓንቲ ፍልስጤማዊት ፖለቲከኛ ሓናን ኣሽራዊ፡ ብትዊተር ኣብ ዝለኣኸቶ መልእኽቲ፡ ደኺመ ዘይብል ተሟጋታይ ፍልስጤማውያንን ሰብኣዊ መሰልን ብምባል ዝገለጸቶ ክትከውን ከላ፡ ናይ ኩባ ፕረዚደንት ሚጔል ዲያዝ ካነል ብወገኑ፡ ራምሲ ክላርክ፡ ሃገሩ ኣብ ዙርያ ዓለም ንዝፈጸመቶ ዘይፍትሓውነት ዝተቓወመ`ዩ ክብል ገሊጽዎ።
ክላርክ ንፖሊሲ ወጻኢ ኣሜሪካ ዝነቅፍ`ኳ እንተኾነ፡ ፕረዚደንት ጂሚ ካርተር ግን ኣብ 1979 ኣብ ምፍታሕ`ቶም ኣብ ተህራን ጅሆ ዝተታሕዙ 53 ኣመሪካውያን ክላዘበሉ ደልዩዎ`ዩ። እቲ ናይ ሽዕኡ ጻዕሩ ዘይሰለጠ`ኳ እንተኾነ፡ ድሕሪኡ ግን ብናይ ባዕሉ ናብ ኢራን ተመሊሱ እታ ሃገር ዝገበረቶ ምትሓዝ ጅሆ ርዱእ`ዩ ብምባል ኣሜሪካ ንዝገበረቶ ጌጋታት ንኢራን ይቕረታ ክትሓትት ኣለዋ ኢሉ ኔሩ። በቲ ተግባር ዝተቖጥዐ ፕረዚደንት ካርተር`ውን ንክላርክ- ንእገዳ መገሻ ጥሒስካ ብዝብል ናይ ምኽሳስ መጠንቀቕታ ኣስሚዕዎ`ዩ ።
ክላርክ ምስ ኮሚንስታዊ መራሕቲ ሃኖይ ተራኺቡ: ኣብ ግዜ ኩናት ቬትናም-ንተግባራት ኣሜሪካ `ውን ነቒፉ`ዩ። ንሊብያ ብምድብዳብ ድሕሪ`ቲ ኣብ 1986 ኣብ በርሊን ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ከሲሱ`ዩ። ንውግእ ዒራቕ`ውን ተቓዊሙ`ዩ።
ኣብ 1990 ሽዕኡ ሓላፊ ኣምነስቲ ኣሜሪካ ዝነበረ ጆን ሂሊ፡ ክላርክ ኣብ ዓለም ዝተኸብረ ተቓላሳይ ሰብኣዊ መሰላት`ዩ ክብል ጸዊዕዎ ኔሩ።
መራሒ ሲቪላዊ መሰላት ዝነበረ ሮይ ዊልክንስ ብወገኑ፡ ንመሳኺን ጸለምቲ ብዕቱብ ክግደስ ዝረኣኽዎ ቀዳማይ ሓያል ጻዕዳ ሰብ ክብል ገሊጽዎ።
ኣብ 1927 ኣብ ዳላስተወሊዱ- ኣብ 1945 ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ተጸንቢሩ ኣብ ኤውሮጳ ኣገልጊሉ ኣብኡ ድማ ናይ ኩናት ኣዕናውነት ብዓይኑ ርእዩ።
ራምሲ ክላርክ፡ ነቲ እምኒ ኩርናዕ ዝብሃል ናይ 1968 ሕጊ ሲቪላዊ መሰላት ኣብ ምንዳፍ ተሳቲፉ`ዩ። ፈደራላዊ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ክብቅዕ`ውን ኣዚዙ ኔሩ።
ክላርክ ክልተ ግዜ ካብ ኒው ዮርክ ንሰነት ኣሜሪካ ተወዳዲሩ ኔሩ። ኣምላኽ ይመስገን እንቋዕ ኣይሰዓርኩ ኢሉ ድሓር፡ ሓቂ ንምዝራብ ምሰልቸወኒ ኔሩ ክብል ሽዑ ርእይትኡ ሂቡ ኔሩ።
.