ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገ/ማርያም ካብ ስራሖም ተሰናቢቶም


 ኣቶ ተወልደ ገብረማሪያም
ኣቶ ተወልደ ገብረማሪያም

ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኰይኖም ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝሰርሑ ኣቶ ተወልደ ገብረማሪያም ብምኽንያት ጥዕና፡ ካብ መዝነቶም ክሰናበቱ ንዝቕረቡዎ ጠለብ፡ ፈጻሚ ቦርድ እቲ መገዲ ኣየር ሎሚ ረቡዕ ኣወንታዊ ምላሽ ሂቡሉ። ንዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ኣመሪካ ዝሕከሙ ዘለዉ ኣቶ ተወልደ፡ ኣመት ጥዕናኦም ክግበሩ ድሕሪ ዘቕረቡዎ ናይ ጥሮታ ጠለብ’ዩ እቲ ምላሽ ሎሚ ጸዲቑ።

ኣቶ ተወልደ ንመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ዕዉታት ክትከውን ወሳኒ ተራ ዝተጻወቱ ምዃኖም ዝንገረሎም ኰይኖም፡ ብመሰረት ካብቲ መንገዲ ኣየር ዝወጸ መግለጺ ድማ ንኣታዊ እቲ ትካል ካብ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ናብ 4.5 ቢልዮን ክዓቢ ከም ዝገበሩ ይጥቀስ።

እቲ ብኣቶ ግርማ ወቀ ዝምራሕ ቦርድ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ዛጊት ተካኢ ኣቶ ተወልደ ኣይረቝሐን ዘሎ።

XS
SM
MD
LG