ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋሽንግተን: ሱሉሳዊ ልዝብ ሚንስትራት ኢትዮጵያ፤ሱዳንን ግብጺን ቀጺሉ ውዒሉ'ሎ


ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ትማሊ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን፡ ምስ ሚንስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ተራኺቡ- ብዛዕባ ምዕባለታት ዝቕጽል ዝሎ ዝርርብ ዓቢ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያው`ን ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብቲ እዋን፡ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ምትሕብባር ዝተመስረተ፡ ቀጻልነት ዘለዎን ንኹሎም ዝረብሕን ሓባራዊ ስምምዕ ክግበር ከምትድግፍ`ውን ደጊማ ተረጋግጽ ከም ዝበለ ካብ ዋይት ሃውስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

ፕረዚደንት ትራምፕ ብምትሕሓዝ፡ ስለስቲኤን ሃገራት ነዚ ዕድል`ዚ ተጠቒመን፡ መጻኢ ወሎዶታተን ካብ`ዚ ኣገዳሲ ጸጋታት ማይ ተጠቀምቲ ንክኾኑ ብሓባር ንክሰርሓን ክዓብያን ክርእዩ ዩናይትድ ስቴትስ ድልየታ ምዃኑ ደጊማ ተረጋግጽ ኢሉ።

ትማሊ ዝጀመረ 4ይ ዙርያ ዝርርብ ግብጺ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ሎሚ`ውን ቀጺሉ ውዒሉ`ሎ፡ ዝተበጽሐ ነገር እንተሎ ዛጊድ ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ብኻልእ ወገን ኣብ`ዚ ሰዓት`ዚ ኣብ`ዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ ኢምባሲ ኢትዮጵያ፡ ብሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ገዱ እንዳርጋቸው ዝምርሑ ልኡኻት ኢትዮጵያ ጋዜጣዊ መግለጺ ይህቡ`ለው።

XS
SM
MD
LG