ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋሕዚ ስደት ኢትዮጵያውያን ንሱዳን ይቕጽል


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ካብቲ ተሓጺሩዎ ዝጸንሐ ክልል ትግራይ ወጺኡ፡ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ብምልሓሙ፡ ዜጋታት ንሱዳን የምርሑ ኣለዉ። ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ-ስልጣን ሱዳን፡ ኣብዚ ሰሙን ጥራይ ኣስታት 3,000 ዝገመቱ ኢትዮጵያውያን፡ ሃዲሞም፡ ሱዳን ኣትዮም።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ካብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ከም ዘለዉ ሰበ-ስልጣን ሱዳን ይሕብሩ። ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ገዳርፍ፡ ኣወሃሃዲ ኮሚተ ህጹጽ ሓደጋ ዓሊፋቲሕ ሞጋደም ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሮ፡ ቍጽሪ ምዝጉባት ሓተትቲ ዑቕባ 1,058 በጺሑ ኣሎ።

እቲ መዓስከር ክመጽእ ንዝኽእል ዋሕዚ ስደተኛታት ከም ዘይጸውር ዝገለጸ እቲ ኣወሃሃዲ፡ መንግስቲ ሱዳን ቅልጡፍ ሓገዝ ክገብረሎም ተማሕጺኑ።

መብዛሕትኦም ሓደስቲ ስደተኛታት ካብ ክልል ኣምሓራ ዝመጽኡ ክዀኑ እንከለዉ፡ ካልእ ዕብይ ዝበለ ቍጽሪ ድማ ካብቲ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሰሕሓሕብ ዘሎ ኣልፋጋሽጋ ዝተባህለ ከባቢ ዝመጹ ምዃኖም ይግለጽ።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመረ ኲናት፡ ህይወት ኣሽሓት ዜጋታት ኢትዮጵያ፡ ብቐንዱ ከኣ ንክልል ትግራይ፡ ከቢድ ዕንወትን ምምዝባልን ኣስዒቡ’ዩ። ከም ዓለማዊ ፕሮግራም መግቢ ዝኣመሰላ ትካላት ከም ዝገልጸኦ፡ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣስታት 5 ሚልዮን ዜጋታት ተጸበይቲ ሓገዝ-መግቢ ኰይኖም ኣለዉ። 60-ሽሕ ኣቢሎም ዝበጽሑ ዜጋታት ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ሱዳን ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ስደተኛታት ተዓቚቦም ኣለዉ።

ዋሕዚ ስደተኛታት ዝፈጠሮ ካልእ ስጋኣት’ውን ኣሎ። ከም በዓል ኣሕመድ ዓብደልቓኒ ዝኣመሰሉ ተንተንቲ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ መዓስከር፡ ኣብ መንጎ ተወለድቲ ብሄራት ኣምሓራን ትግራይን ግጭት ክለዓል ከም ዝኽእል ይእምቱ።

“ኣቐዲሙ ዝጸንሐ እሉኽ ዓሌታዊ ፍሕፍሕ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ኣብ መንጎ’ቶም ንፈደራል መንግስቲ ዝድግፉ ተወላዶ ኣምሓራን ተጋሩን ምትፍናን ክህሉ ስለ ዝኽእል ኣሰካፊ’ዩ። ሓደስቲ ስደተኛታት ኣብ ሓደ መዓስከር ምእታው እምበኣር ካልእ ሳዕቤን ክህሉዎ ይኽእል’ዩ። ብወጻኢታት’ውን ስለ ዘይክእሎ፡ መንግስቲ ሱዳን ኣብቲ ከጓንፍ ዝኽእል ዓሌታዊ ጎንጺን ስእነት ውሕስነት ጸጥታን ኣመልኪቱ ብዙሕ ዝተገደሰ ኣይመስልን።"

ኣብ ክልል ትግራይ ዘጓነፈ ኲናት፡ ነቲ ኣቐዲሙ’ውን ቅዱው ዘይጸንሐ ዝምድናታት ሱዳን ኢትዮጵያን ኣብኢሱዎ’ዩ።

ክልተአን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሓጽቢ ሕዳሴ ኣመልኪተን ንዓመታት ዝኸደ ምስሕሓብ ኣለወን።

ካልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ሓጽቢ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ንመደብ እቲ ስራሕ ኣመልኪታ፡ ኢትዮጵያ መግለጺ ምውጽኣ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG