ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣመሪካ ዋላ'ኳ ቫይረስ ኮሮና እንተፎኸሰ - መፍጠሪ መግቢ ብመኪና ብምውሳድ ምብጻሕ ግን ቀጺሉ'ሎ


ኣብ ኣመሪካ ዋላ'ኳ ቫይረስ ኮሮና እንተፎኸሰ - መፍጠሪ መግቢ ብመኪና ብምውሳድ ምብጻሕ ግን ቀጺሉ'ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:05 0:00

ኣብ ኣመሪካ ዋላ'ኳ ቫይረስ ኮሮና እንተፎኸሰ - መፍጠሪ መግቢ ብመኪና ብምውሳድ ምብጻሕ ግን ቀጺሉ'ሎ

ኢፍጣር ጾም-ሮመዳን ብሓባር ተኣኪብካ ክዝውተር ንቡር`ኳ እንተኾነ፡ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ19 ግን፡ ብመኪና እናሓለፍካ መግቢ ምውሳድ`ውን ልሙድ ኮይኑ`ሎ።

ኣብ መናሰስ ዝብሃል ከተማ ክፍለ-ግዝኣት ቨርጂንያ ዝርከብ ዳር ኣልኑር ዝብሃል እስላሚክ ኮሚኒቲ ኣብ መዓልቲ ንኣስታት 800 ኣመንቲ እስልምና፡ ብመኪና እናሓለፍካ ዝግበር ምዕዳል መግቢ የተኣናግድ።

ነቶም ኩሎም ጸይሞም ዝወዓሉ መግቢ ኣዳሊዮም ኣብ ምክፍፋል ብወለንተኦም ካብ ዝሰርሑ ውፉያት ኣመንቲ እስልምና ሓደ ዝኾነ ኣያዝ ሸኽ፡ ከምዚ ይብል

“ንምሉእ ወርሒ ጾም ሮመዳን ብናጻ ድልየትና ኢና ንሰርሕ። ነዚ ክንገብር ከለና ምሉእ ስራሕና`ውን እናሰርሓና ኢና። ሕጂ ሳልሳይ ዓመትና ኮይኑ`ሎ " ይብል።

በብመዓልቱ ዝቐርብ ዓይነት መግቢ ዝተፈላለየ`ዩ። ሑማ ሸኽ ድማ ኣብቲ ስራሕ ትነጥፍ ካልእ ወለንተኛ`ያ።

“ገለ መዓልታት ብሪያኒ ዝብሃል መግቢ ሩዝ ነቕርብ። ዓይነት ኣዳጉራ፡ ሳምቡሳ ከምኡ`ውን ስጋ ደርሆ ነቕርብ ኢና። ሓደ ሰብ ንምሉእ ወርሒ ስጋ ደርሆ የቐርብ፡ ካልኦት ድማ ከም ጸብሕን ሩዝን ባልደንጓ ዓተርን ዝበሉ መግቢታት የበርክቱ።"

ኣብቲ ከባቢ ዝምሃሩ ተመሃሮ ድማ፡ ነቲ ዝተሰርሐ መግቢ ኣብ ምዕሻግ ይዋስኡ።

ኣብቲ ኮሚኒቲ ምስታፍ ኣብ ትምህርቶም ዝጠቕሞም ነጥቢ የትሕዘሎም ጥራይ ዘይኮነ ባህታ`ውን ከምዝፈጥረሎም ይገልጹ። ሓደ ካብኦም ኢስሃን ኣርያን`ዩ፡“ኣብዚ መስጊድ ብናጻ ብምስራሕ ኣብ ትምህርትና`ውን ንኽንምረቐሉ ዝሕግዘና ነጥቢ ነዋህልል ኢና። ካልእ ድማ ብልብና ደስ ኢሉና ንገብሮ ስለዝኾነ ንፈትዎ ኢና"ይብል።

ሰሚራ ኢድሪሱ ድማ ከምኡ ብምግባርና ካብ ኣምላኽ ጸጋ ንረክብ ትብል“ከምኡ ብምግባርና ተወሳኺ ጸጋ ኢና ንረክብ። ምኽንያቱ ኣነ ንባዕለይ ኣብዚ መስጊድ ንምጽላይ ብዙሕ ግዜ ይመጽእ`የ።"

ካልእ ኣዳም ሓቅ ዝተባህለ ወለንተኛ ንሓደ ሰብ ሕጉስ መዓልቲ ክትፈጥረሉ ከለኻ ዝስምዓካ ስምዒት ፍሉይ`ዩ ይብል ።

ጾም-ሮመዳን ብሓባር ምፍጣር፡ ከምኡ`ውን መግቢ ተኻፊልካ ምብላዕ እስላማዊ ልምዲ ምዃኑ ይግለጽ።

ነዚ ሕጂ ብመኪና እናሓለፍካ ዝግበር ምፍጣር ግን ለበዳ ኮቪድ-19 ዘምጽኦ ምዃኑ እቶም ኣወሃሃድቲ ይገልጹ።

ራፊ ኡዲን ኣሕመድ ፕረዚደንት ማሕበር ኣምነቲ እስልምና ቨርጂንያ`ዩ።“ኮቪድ 19 ምስ ጀመረ፡ ገዛ ገዛ እናኸድና መግቢ ንዕድል ኔርና። ሕጂ ግን ንሕና መግቢ ነዳልወሎም- ንሳቶም ድማ ብመኪና እናሓለፉ መግቦም ይወስዱ። ጽጉማት ወይ ስንኩላት ኮይኖም መኪና ክዝውሩ ዘይክእሉ እንተኾይኖም ግና ባዕልና ንተሓባበሮም ኢና" ይብል።

በብመዓልቱ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣመንቲ እስልምና ጸወምቲ ካብቲ ቦታ መግቢ እናወሰዱ ጾሞም የፍጥሩ። እቲ መግቢ ድማ ካብ ለገስቲ ዝተኣኻኸብን ዝዋጻእን`ዩ።

XS
SM
MD
LG