ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዊል ስሚዝ ንክሪስ ሮክ ይቕሬታ ሓቲቱ


ኣመሪካዊ ተዋሳኣይ ዊል ስሚዝ፣ ኮመዲያን ክሪስ ሮክ ኣብ ልዕሊ በዓልቲ ቤቱ ላግጺ ብምክያዱ፣ኣብ መድረኽ ሽልማት ኦስካር ብጽፍዒት ጉንዲ እዝኑ ድሕሪ ምልታሙ ሓደ መዓልቲ ይቅሬታ ሓቲቱ።

ዊል ስሚዝ ናብ’ዚ ደረጃ’ዚ ዝበቅዐ፣ ኣካዳሚ ተንቃሳቃሲ ኣሳእልን ሳይንስን፣ "ባህሪ ዊል ተቀባልነት ዘይብሉ እዩ፣ ንተግባሩ ድማ ንግምግሞ ኣለና" ዝብል መግለጺ ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ።

ዊል ስሚዝ "ምጥቃም ሓይሊ ብኩሉ መዐቀኒታት፣ መርዛምን ኣዕናዊን’ዩ" ይብል ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ ወሲኹ "ክሪስ፣ ብወግዒ ይቅረ በለለይ ኢለ ይሓተካ። መስመረይ ስሒተ እየ ነይረ። ተጋግየ እየ። ሓፊረ ኣለኹ። ተግባረይ፣ እቲ ክኾኖ ዝምነዮ ሰብ ዘርእይ አይኮነን"ኢሉ።

ኣካዳሚ ተንቃሳቃሲ ኣሳእልን ሳይንስን ነቲ ተግባር ገምጊሙ ኣብ ርእሲ ስሚዝ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል እዩ። እቲ ትካል ንስሚዝ፣ ካብ ኣባልነት ክእግዶ ወይ ከባርሮ'ውን ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብ መድረኽ ሽልማት ኦስካር፣ ብጽፍዒት ጉንዲ እዝኑ ዝተወቅዐ ክሪስ ሮክ ክሳብ ሕጂ ክሲ ኣየቕረበን።

XS
SM
MD
LG