ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዊልያም ሩቶ ዕዉት ፕረዚደንት ኬንያ ምዃኖም ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ኣፍሊጡ


ምኽትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ብ50.49% ናይ ድምጺ ምርጫ ዕዉት ፕረዚደንት ኰይኖም ምምራጾም ሃገራዊ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ሎሚ ወግዓዊ ገይሩ።

ቀንዲ መቀናቕንቲን ንሓሙሽተ እዋን ንፕረዚደንታዊ መዝነት ዝተወዳደሩን ራይላ ኦዲንጋ ድማ ብ48.85 ሚእታዊት ካልኣይ ኰይኖም ኣለዉ። ነዊሕ ትጽቢት ዝተገብረሉን ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ኣብ መንጎ’ዞም ክልተ ተወዳደርቲ’ዩ ቀንዩ።

ተወዳደርቲ ልዕሊ 50% ድምጺ እንተ ዘይረኺቦም ንኻልኣይ እዋን ክካይድ ተባሂሉ ዝነበረ ግምት ሕጂ ውዱቕ ዝዀነ ይመስል።

ድሕሪ ምርጫ ወግዓዊ ምግባሩ፡ ዛጊት ብሓደ ወገን ዝተራእየ ከቢድ ናይ ተቓውሞ ወገን ኣይተራእየን። ክልተኦም ተወዳደርቲ ድማ ንውጽኢት ምርጫ ብሰላም ክቕበሉ ምዃኖም ከመልክቱ ጸኒሖም’ዮም።

XS
SM
MD
LG