ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዊልያም ሩቶ’ውን ሕጋዊ መስርሕ ክኽተሉ ምዃኖም ይነግሩ



ፕረዚደንት ኮይኖም ዝተመረጹ ዊልያም ሩቶ
ፕረዚደንት ኮይኖም ዝተመረጹ ዊልያም ሩቶ

ብኮሚሽን ምርጫ ኬንያ ዕዉት ምዃኖም ዝተነግሩ ዊልያም ሩቶ፡ መቀናቕንቶም ራይላ ኦዲንጋ ነቲ ውጽኢት ከም ዘይቅበሎን ኣብ ቤት ፍርዲ ክምጕቶን ምዃኖም ድሕሪ ምንጋር፡ ሩቶ’ውን ነቲ ብድሆ ክቕበሉ ድሉዊ ምዃኖም ገሊጾም። እቶም ምኽትል ፕረዚደንት ሎሚ ረቡዕ ምስ ካልኦት ፖለቲካውያን መላፍንቶም ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ፡ በቲ ዝካየድ ዘሎ ጠቐነን ስም ምጥፋእን ከም ዘይድሃሉን ንሶም’ውን ሕጋዊ መስርሕ ክኽተሉ ድሉዊ ምዃኖም ኣመልኪቶም። ሃገሮም ናብ ዲሞክራሲ ምምላሳ ዝሓበሩ ሩቶ፡ በቲ ተዘሪኡ ዘሎ ፍርሒ ከይርዕዱ ንደገፍቶም ኣዘኻኺሮም።

ኣብ እዋን ውጽኢት ምንጋር ዝተኻፋፈሉ ኣባላት ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር፡ ዕዉት ድሕሪ ምንጋሮም ኣብቲ ምርጫ ዘይምዕዋቶም ዝተነግሩ ኦዲንጋ ኵሉ ሕጋዊ መስርሕ ስዒቦም ነቲ ውጽኢት ክልውጡ ምዃኖም ሓቢሮም። ንዕኡ ስዒቡ ድማ እቲ ብመጠኑ ሰለማዊ ዝቐነየ ትርኢት ናብ ግጭትን ተቓውሞን ቀጺሉ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተርዝ ብወገኖም ነቲ ዘሎ ፍልልይ ብሕጋዊን ሰላማዊ መስርሕ ክፈትሑዎን ደገፍቲ ካብ ጎንጺ ክቝጠቡን ጸዊዖም።

ብመሰረት ሕጊ ምርጫ ኬንያ፡ ራይላ ኦዲንጋ ኣብቲ ውጽኢት ዘለዎም ተቓውሞ ናብ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ሰሙን ከቕርቡ ኣለዎም። እቲ ቤት ፍርዲ ድማ ፍርዱ ኣብ ዝስዕባ 14 መዓልታት ወግዓዊ ክገብር ትጽቢት ይግበር።

XS
SM
MD
LG