ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወ/ሮ ሶፍያ ተስፋማርያም ቀዋሚት ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኮይና ምምዛዛ ተገሊጹ


‘ፕረ. ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ወ/ሮ ሶፍያ ተስፋማርያም ቀዋሚት ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ምምዛዞም’ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን ኣቶ እስጢፋኖስ ኣፈወርቂ ብናይ ትዊተር መልእኽቲ ኣፍሊጡ።

ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝተዋሃበ ወግዓዊ መግለጺ እንተዘየለ`ኳ፡ ምንጭታት መንግስቲ ኤርትራ ንቪኦኤ ሓቢሮም ኣለዉ።

ናብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኒውዮርክ፣ መረጋገጺ ንክርከብ ተፈቲኑ’ውን ኣይሰለጠን።

ወ/ሮ ሶፍያ ምስ’ቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝመደበሩ ናጻ ዓለምለኸ ጉዳይ ኣብ ሞያውን ስነ-ጽሑፍን ትነጥፍን፣ መስራቲት ፋውንዴሽን ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃን እያ።

ወ/ሮ ሶፍያ ተስፋማርያም ‘ ኣብ ባይቶን ትካላት መንግስቲ ኣሜሪካን ንኤርትራ ብምሕላቕ ክትነጥፍ ዝጸንሐት ምዃና`ውን’ እቲ ዜና ይሕብር።

ወ/ሮ ሶፍያ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ንዝዓረፉ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ክትክእ`ያ።

መዝነት ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕ/ሃ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ክፉት ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ።

XS
SM
MD
LG