ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ወፍሪ ፕረ. ትራምፕ ምስ ሩስያ ሰሪሖም ክኾኑ ይኽእሉ፡ትራምፕ ግን ብዛዕባ’ዚ ኣይፈልጡን’ዮም” ሓደ ካብ ጠበቓታት ፕረ. ትራምፕ


ፋይል
ፋይል

ሓደ ካብ ጠበቓታት ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ሩዲ ጁሊያኒ ገለ ሰበስልጣን ወፍሪ ምርጫ ትራምፕ ፕረ.ትራምፕ ንክዕወቱ ምስ ሩስያ ሰሪሖም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፤ትራምፕ ግን ብዛዕባ’ዚ ኣፍልጦ የብሎም ኢሎም።

"ኣብ መንጎ እቲ ወፍሪ ወይ ኣብ መንጎ ሰባት ምምስጣር ኣይነበረን ኢለ ኣይፈልጥን’" ክብሉ ናይ ቀደም ናይ ኒው ዮርክ ከንቲባ ዝነበሩ ጁሊያኒ ትማሊ ምሸት ምስ መደበር ቴሌቭዥኝ CNN ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ ተዛሪቦም።

ንሶም ወሲኾም "ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ምስ ሩሲያ ምስርሖም ዋላ ሓደ መርትዖ የለን’"ኢሎም።

ናይ ፕረ. ትራምፕ ወፍሪ ምርጫ ምስ ሞስኮ ሰሪሖም ዝብል ሓዱሽ ናይ ጁሊያኒ እምነት ፕረ.ትራምፕ ወፍሪ ኣብ ዘካየድሉ ዝነበሩ እዋን ምስ ሩሲያ ዝኾነ ውዲት የለን ክብሉ እንተወሓደ ን13 ግዜ ምስ ዝፅሓፉዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓዊሱ ምግላጾም ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፕረ.ትራምፕ ኣብ ዝፀሓፉዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ናይ ትራምፕ ወፍሪ ምርጫ ምስ ሩሲያ ምስርሑ ዴሞክራት እምኒ እንተፈንቀሉ እውን ዋላ ሓደ ነገር ክረኽቡ ኣይክኣሉን ምኽንያቱ ምስ ሩሲያ ስለዘይሰራሕና እዩ ኢሎም ነይሮም።

XS
SM
MD
LG