ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወፍሪ ምርጫ ናይጀርያ ኣብ ዝሓየለሉ ግጉይ ሓበሬታት'ውን ይውስኽ ምህላው ይግለጽ ኣሎ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ናይጀሪያ ኣብ ዝቕፅል ለካቲት ንዝካየድ ምርጫ ወፍሪ ሓይሉ ኣብ ዝቐፀለሉ ምዝርጋሕ ዝተጋገዩ ሓበሬታት እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።ሓቅታት ዘረጋግፅ ናይ ናይጀሪያ ጉጅለ ሓበሬታታት ንምእራም ይሰርሕ ኣሎ።

ጋዜጠኛ ኦፐይሚ ከሂንደ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ናይ መጀመሪያ ስርሑ ኣብ ኢንተርኔትን፣ኣብ ፕሮግራማት ቴሌቪዥንን ማሕበራዊ ሚዲያን ዝተዘርግሑን ዳግም መረጋገፂ ዘድልዮም ሓበሬታታት ሓቅነቶም ምፅራይ እዩ ይብል።

ዘጠራጥር ዝመስል ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ እንተረኺቡ ከሂንዴ ሽዑ ንሽዑ እቲ ሓበሬታ ካልኦት ሓቅታት ዘረጋግፁ ሰባት ምእንታን ክሪኡዎ እቲ መልእኽቲ ስላክ ኣብ ዝተባህለ መልእኽቲ ዝወፀሉ መድረኽ የቐምጦ።

እዚ ናይ ናይጀሪያ ጥምረት ኣፃረይቲ ሓቅታት ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ እዩ ስርሑ ጀሚሩ።

ልዕሊ 200 ሚሊዮን ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ሃገርን ብፍላይ ኣብ እዋን ምርጫ ርእይቶታት ብብሄረሰባውን ሃይማኖታውን ድሕረ ባይታ ወይ መንነት ቅርፂ ኣብ ዝሕዘሉን ወፍሪ ምርጫ ሓይሉ ኣብ ዝቐፀለሉን ጥምረት ምፅራይ ሓቅታት ዓብይ ስራሕ ይፅበዮም ኣሎ።

XS
SM
MD
LG