ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወፍሪ ምርጫ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ትማሊ ብወግዒ ጀሚሩ’ሎ


ወፍሪ ምርጫ ህዝበ-ውሳነ ሲዳማ ትማሊ ኣብ ከተማ ሃዋሳን ኣብ ካልኦት ወረዳታት ሲዳማን ክካየድ ውዒሉ። ሎሚ ረቡዕ ክጅምር ዝነበሮ ምዝገባ መረፅቲ ግን ፅባሕ ከምዝጅምር ቦርድ ምርጫ ትማሊ ኣፍሊጡ’ሎ።

ምልክት “ሻፌታ’’ ዝሓዙ ዝተፈላለዩ ምልክታት ብምሓዝ ኣብ ኣደባባይ ወፍሪ ምርጫ ዘካይዱ ዘለው ሲዳማ ርእሳ ክኢላ ክልል ክትኸውን ዝደልዩ ጥራሕ እዮም።ኣካል ደቡብ ክልል ኮይና ክትቕፅል ዝደልዩ ግን ወፍሪ ከካይዱ ኣይርኣዩን ክብል ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ከተማ ሃዋሳ ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG