ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወዲ 90 ዓመት ፖል ቢያ ንተወሳኺ እብረ ክወዳደሩ ደገፍቶም ይጽውዑ


ፕረዚደንት ካሜሮን ፖል ቢያ ሎሚ ሰኑይ መበል 90 ዓመቶም ኣብ ዘኽብሩሉ እዋን፡ ሓያሎ ዓድታትን ከተማታትን ካሜሮን ንኽብሪ እቶም ፕረዚደንት ምድላዋት ምግባረን ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብቲ ቦታ ልኢኹ። ብዕድመ ዝዓበየ መራሕ ሃገር ብምዃን ክብረ-ወሰን ሒዞም ዘለዉ ቢያ፡ ዕድመ ስልጣኖም ኣብ 2025 ዘብቅዕ ክኸውን እንከሎ፡ ደገፍቶም ድማ ንተወሳኺ እብረ መሊሶም ክወዳደሩ ኣብቲ ኣጋጣሚ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ካብ 1982 ኣትሒዞም ፕረዚደንት ካሜሮን ዝዀኑ ፖል ቢያ፡ እታ ሃገር ናጽነታ ካብ እትርከብ ንነጀው ካልኣይ ፕረዚደንት ምዃኖም’ዮም። ቅድሚኡ ድማ ንሸውዓተ ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኖም ኣገልጊሎም’ዮም።

ፕረዚደንት ቢያ ኣብቲ ኣብ ያውንደ ዝተጋብአ ጽንብል ዓመቶም ብኣካል ኣይተረኽቡን። ኩነታት ጥዕና እቶም ፕረዚደንት ብሓያሎ ወገናት ከዛርብ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ መንግስታዊ መራኸቢታት ግን ኣብ ጽቡቕ ጥዕና ከም ዘለዉ ኣመልኪተን።

ተቓወምቲ ወገናት ግን፡ ምምሕዳር መንግስቲ ቢያ ንመቕተልቲ ዜጋታትን ሕሱም ድኽነት ቀንዲ ጠንቂ’ዮም ኢሎም ይኸሱ።

ወዲ 90 ዓመት ፕረዚደንት ቢያ ኣብ ዓለም ዝዓበዩ መራሒ ሃገር ክዀኑ እንከለዉ፡ ብኣፍሪቃ ደረጃ ድማ ኣብ ዕድመ ስልጣን ዝነውሐ ዝጸንሑ ካልኣይ ፕረዚደነት’ዮም። ነቲ ዝነውሐ መራሕ መንግስቲ ክብረ-ወሰን ሒዞም ዘለዉ ናይ ኢኳተሪያል ጊኒ መራሒ ቴዶሮ ኦቢያንግ ንጉማ ምባሶንጎ’ዮም። ንሶም ካብ 1979 ኣትሒዞም ነታ ሃገር ይመርሑ ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG