ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወዱ ንኤል-ቻፖ ድሕሪ ምትሓዙ ዕግርግር ተፈጢሩ


ወዱ ነቲ ብ"ኤል-ቻፖ” ዝብል ስም ዝፍለጥ መራሒ ዕጸ-ፋርስ ኣብ ከተማ ኩሊንያን ብፖሊስ ሜክሲኮ ድሕሪ ምትሓዙ፡ ኣብታ ከተማ ትማሊ ምልውዋጥ ተዅሲ ኣጋጢሙ። ብተዓዘብቲ ኣብ ዝተላዕለ ምስልታት ከም ዘርእዮ፡ በቲ ዝነበረ ምልውዋጥ ተዅሲ መካይን ክቃጸላን ህዝቢ ድማ ብራዕዲ ክሃድምን ተራእዩ።

ድሕሪ ምእሳር ኣቦኡ ኤል-ቻፖ፡ መራሒ’ቲ ጕጅለ ኣሰጋጋሪ ሓሽሽ ምዃኑ ዝንገረሉ ኦቪዲዮ ጉዝማን ድሕሪ ምትሓዙ፡ ተኣሲሩ፡ ብነፋሪት ናብ ርእሰ-ከተማ ሜክሲኮ ሲቲ ምውሳዱ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ሰብ-መዚ እታ ከተማ ክወርድ ንዝኽእል ጎንጺ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብያተ-ትምህርቲ ክዕጾ ኣዚዞም ውዒሎም።

ኦቪዲዮ ኣብ 2019 ንሓጺር እዋን ተኣሲሩ ምንባሩ ይዝከር። ኣብ እዋኑ ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ዝያዳ ምፍሳስ ደም ንምውጋድ ክፍታሕ ኣዚዙ።

ኣቦኡ ኤል-ቻፖ ኣብ 2016 ድሕሪ ምእሳሩ፡ ንኣመሪካ ተረኪቡስ ንዕድመ ማእሰርቲ ተፈሪዱ ሕጂ ኣብ ዝጸንዐ ቤት ማሕቡስ ኮሎራዶ ይርከብ።

XS
SM
MD
LG