ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ወደብ ባጽዕ፡ ዝተረሰዐት ዑንቊ ቀይሕ ባሕሪ”


Qazib olinadigan yoqilg'i sanoatiga qarshi atrof-muhit muhofazasi faollari namoyish o'tkazmoqda. Glazgo, Shotlandiya.
Qazib olinadigan yoqilg'i sanoatiga qarshi atrof-muhit muhofazasi faollari namoyish o'tkazmoqda. Glazgo, Shotlandiya.

ወደብ ባጽዕ፡ ዝተረሰዐት ዑንቊ ቀይሕ ባሕሪ’ያ ክብል ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ይገልጻ።

ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሓምለ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝጸንሓ ኹነተ ኹናት ብኣዋጅ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ምብቕዑ ስዒቡ፡ ዋላ’ዃ ትሕተ ቅርጺ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ነቲ ናይ ኹናት በሰላ ዘንጸባርቕ እንተኾነ እዛ ንናይ ዓለምና ዕሙር ናይ መራኽብ መተሓላለፊ አፍደገ ዝኾነት ወደብ ባጽዕ ዳግማይ ንበጻሕቲ ክፍቲ ኾይና’ላ።

ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ 20 ዓመታት ንመጀመርያ ጊዜ ናብ ኣስመራ ኣብ ዝበረርሉ ዝሓለፈ ሰሙን ዝበዝሑ ካብ ተሳፈርተን ናብታ ውሑዳት በጻሕቲ ሃገር ክርእይዋ ዕድል ዝረኸቡ ከተማ ባጽዕ ክበጽሑ ዝደልዩ ኢትዮጵያዊያን ይርኸብዎም።

ኢትዮጵያዊ ቱሪስት ኣሸናፊ ጉታ ብዛዕባ ዝተዓዘቦ “ እዚ ቦታ ገና ኣይተተንከፈን። ብዙሓት ናይ ቱሪስት መዓልቦ ቦታታት ብምድላው ምስ ኢትዮጵያ ከምዝራኸቡ ምግባር ይክኣል’ዩ። ንኣብነት ምስ ኣክሱም፡ጎንደር፡ላሊበላ ዝአመሰሉ ናይ ቱሪዝም መዓልቦ ቦታታት ምስ ባጽዕን ደሴታት ዳህላክን ከምዝተታሓሓዙ ምግባር’ዩ። እዚ ድማ ኣብ ቁጠባ ዓብይ ጽልዋ ዘለዎ እዩ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም”

ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ወናኒ ሆቴል ዝኾኑ ጂዮቫኒ ፐርሎ ብወገኖም ድማ ብዛዕባ እቲ ህልው ኩነታት ቱሪዝም ከምዚ ይብሉ።

“ሕማቕ በሊዕና ወይ ኣቐባብላ ጽቡቕ ኣይነበረን ዝብል ውልቀሰብ ኣይረኸብናን። ብርግጽ ኣይተዳለናን ኣቐዲሙ’ውን ስራሕ ዝሑል ስለዝነበረ እንተኾነ ኣብ ቀጻሊ ተዳሊና ክንጸንሕ ኢና።”

ነበርቲ ብወገኖም እዚ መስርሕ ሰላም ክልቲኣን ሃገራት ንቁጠባን ንግዲን ክብ ዘብል’ዩ ክብሉ ተስፋ ይገብሩ።

ኤርትራዊ ጸሃየ ከበደ “ ሓጎሰይ ወሰን የብሉን። ሕጂ እዚ ቦታ ክዕንብብ’ዩ። ኢትዮጵያዊያን ኣሕዋትና ናብዚ መጺኦም ክበጽሑ ከለው ንግዲ ድማ ክዓብይ’ዩ። ንሕና ድማ ብጽቡቕ ኣቀባብላ ክንቕበሎም ኢና። ብሓፈሻ እዚ ቦታ ዳግማይ ህይወት ክረኽብ’ዩ” ይብል።

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ትምህርቲን ስነ ፍልጠን ባህልን ትካል ዩነስኮ ዝሓለፈ ዓመት ንዋና ከተማ ኣስመራ ኣብ ታሪኻዊ መዝገብ ጥንታዊ ስነ ቅርጻ ውርሻታት ዓለም ምስፋሩ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG