ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወኪል ኢትዮጵያ ኣብ ሕ/ሃ ወታሃደራት ኤርትራ 'ኣብ ዝሓጸረ እዋን' ካብ ክልል ትግራይ ክወጹ ምዃኖም ኣፍሊጦም


ሰበ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ወታሃደራት ኤርትራ ጥምየት ከም መሳርሒ ይጥቀምሉ ኣለው ክብሉ ትማሊ ሰሉስ ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ምግላፆም: ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ወታሃደራት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ "ብርግፀኝነት ኣብ ቀረባ ክወፁ እዮም’’ ኢሎም ።

ስርሖም ይዛዝሙ ዘለው ናይ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ማርክ ሎውኮክ ኣብ በይናዊ ኣኼባ 15 ኣባል ሃገራት ንዝሓቖፈ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ "ኣብ ትግራይ ህውከት ጠጠው እንተዘይሉን ወታሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ እንተዘይወፂኦምን ኣብ 1984 ዝተርኣየ ኣዕናዊ ዓፀቦ ተመሊሱ እንተድኣ መፂኡዘገርም ኣይኮነን’’ኢሎም።

ብመሰረት ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ዲፕሎማት "ፆታዊ መድፈርቲ ንደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ንምሽባርን ጭካነ ንምፍፃምን ብስልቲ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ኣሎ። ወታሃደራት ኤርትራ ጥምየት ከም መሳርሒ ኵናት ይጥቀምሉ ኣለው። ስደተኛታት ይኽበቡ፣ይቕጥቀጡን ይፈራርሑን’’ክብሉ ነቲ ቤት ምኽሪ ተዛሪቦም ።

ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ልኡኽ ኤርትራ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣይመለሰን።ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ወታሃደራታ ካብ ትግራይ ንምውፃእ ምስምምዓ ገሊፃ እያ።ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ሶፊያ ተስፋማሪያም ንወታሃደራት ኤርትራ ብፆታዊ ዓመፅን ብምጥማይን ምኽሳስ ሓሶትን ዘጉህይን እዩ ክብላ መሊሰን ኔረን።

ኣብቲ ናይ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ምይይጥ ዝተሳተፉ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣፅቄ ስላሴ ኣምዴ ናይ ኤርትራ ምውፃእ ‘'ገለ ቴክኒካውን ናይ ኣሰራርሓን ምፍላይ ጉዳይት እዩ’’ኢሎም።

XS
SM
MD
LG