ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወኪላት ዝተፈላለያ ኤምባሲታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ላሊበላ በጺሖም


ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ኣመሪካ ፈፃሚት ጉዳይ ኣምባሳደር ትሬሲ ጃከብሰን ኣብ ላሊበላ
ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ኣመሪካ ፈፃሚት ጉዳይ ኣምባሳደር ትሬሲ ጃከብሰን ኣብ ላሊበላ

ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ኣመሪካ ፈፃሚት ጉዳይ ኣምባሳደር ትሬሲ ጃከብሰንን ካልኦት ወከልቲ ኤምባሲታትን ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተጓዒዞም ንኣብያተ ክርስትያናት ላሊበላ በፂሖም።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ኣምባሳደር ትሬሲን ወከልቲ ሃገራት ኤውሮጳን ኣውስትራልያን ናብቲ ቦታ ምብጽሖም ተሓቢሩ'ሎ።

ኣምባሳደር ጃከብሰን ኣብ እዋን’ቲ ዑደት ምስ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ተራኺበን ኣብ ጉዳይ ቫይረስኮሮና፡ ብምኽንያት’ቲ ናይ ሰሜን ኹናት ንዝዛሕተለ ጉዳይ ቱሪዝምን ኣመልኪተን ተመያይጠን’ለዋ።

ኣብቲ ዑደት ዝተረኸቡ ምክትል ሚንስትር ቱሪዝም ኢትዮጵያ አቶ ስለሺ ግርማ ንኣምባሳደር ትሬሲን ካልኦት ኣጋይሽን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝገበረዎ ማዕቀብ ጉዕዞ ከልዕልዎ ሓቲቶም’ለዉ። ብተወሳኺ ንሶም ድሕሪ'ቲ ኹናት ስዒቡ ኣብ ቦታታት ቱሪዝምን ሓድግታትን ጉድኣት ምግጣሙ ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG