ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወናኒ ትዊተር ኢላን ማስክ ኣብ ሒሳብ ተጠቐምቲ ለውጢ ከምዘተኣታትው ሓቢሩ


ወናኒ ትዊተር ኢላን ማስክ፡ እቲ ማህበራዊ ሚድያ ነቲ ብዝተፈላለዩ ረቛሒ ሕብርታት ዝፍለጥ ዝነበረ መለለዪ ሕሳብ ተጠቀምቲ ናብቲ ዝነበሮ ክመልሶ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እዚ ማለት ብፍላይ እቲ ብ`ሰማያዊ ሕብሪ` ዝፍለጥ መለለዪ ረቛሒ ናብ ቦትኡ ክመልሶ ምዃኑ ዘርኢ`ዩ።

ንትዊተር ዝሓለፈ ወርሒ ብ44 ቢልየን ዶላር ዝዓደገ ወናኒ ተስላ ኢላን ማስክ፡ ነቶም ሕሳቦም ተዓጽዩ ዝነበረ ተጠቀምቲ`ውን ምሕረት ክገብረሎም ምዃኑ ኣተንቢሁ`ሎ።

ትዊተር ኣቐዲሙ ነቲ ኣብ ተጠቀምቲ ቀዳምነታት ዝህብ ዝነበረ ኣገልግሎት ትዊተር ኣደስኪልዎ ዝጸንሐ ክኸውን ከሎ፡ ኢላን ማስክ ግን ዝኾነ ተጠቃሚ ኣብ ወርሒ $8 ዶላር ክሳብ ዝኸፈለ እታ ናይ ሰመያዊት ሕብሪ መለለይት ረቛሒት ክትፍቀደሉ ምዃና ሓቢሩ`ሎ። ሽሕ`ኳ ተመሳሳልነት ወይ ናይ ካልኦት ቅዳሕ መሲልካ ንከይትቐርብ ምጽራይ በቲ ማሕበራዊ ሚድያ ይግበረሉ እንተነበረ ኣቐዲሙ እቲ ሰመያዊ ሕብሪ ንትካላት መንግስቲ፡ንዓበይቲ ብሕታዊ ትካላት ፡ንህቡባት ሰባት፡ ከምኡ`ውን ንጋዜጠኛታት ጥራይ`ዩ ዝውሃብ ኔሩ።

ኣብዚ ዳሕራዋይ ኣጠቓቕማ ኣገልግሎት፡ ካምፓኒታት ወርቃዊ ሕብሪ ዘለዎ መለለዪ፡ መንግስታውያን ትካላት ጭላይ ሕብሪ፡ ውልቀሰባት ግን ህቡባት ይኹኑ ኣይኹኑ እታ ሰመያዊት ሕብሪ ክረኽቡ`ዮም ኢሉ ማስክ ዝሓለፈ ዓርቢ ክዛረብ ከሎ። ነቲ ከቢድ ግን ኣድልዩ ዝበሎ ውሳነ ዝመጽእ ሰሙን ተወሳኺ መብርሂ ከምዝህበሉ ኣፍሊጡ`ሎ። እቲ ሓዲሽ ኣገልግሎት ፡ ዝመጽእ 2 ታሕሳስ 2022 ክጅምር ከም መደብ ተታሒዙ`ሎ።

ኢላን ማስክ፡ ነቶም ሕሳቦም ተዓጽዩዎም ዝጸንሐ ተጠቀምቲ ምሕረት ክገብረሎም ዝወሰነሉ ምኽንያት፡ እቶም ከቢድ ጥሕሰት ዘይፈጸሙ ተጠቀምቲ ዳግም ናብ ትዊተር ክምለሱ ይግባእ`ዶ ዝብል ሕቶ ናብ ርእይቶ ህዝቢ ምስ ቀረበ፡ ነቲ ዝመጸ ውጽኢት ርእይቶ ህዝቢ ብምርኣይ ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ። 72%፡ `እወ ዳግም ይከፈቶም` ከምዝበሉ እቲ ውጽኢት ይጠቅስ። ንሕሳብ ፕረዚደንት፡ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዳግም ቅድሚ ምኽፋቱ`ውን ከምኡ ንውጽኢት ወሃቢት ርእይቶ ተጠቒሙ ኔሩ`ዩ። ብኸምዚ ዝእከብ ርእይቶታት ግን ኩሉ ግዜ ሳይንሳዊ ማለት ክተረጋግጾ ትኽእል ከምዘይኮነ ምፍላጥ የድሊ።

ማስክ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ትዊተር ክጽሕፍ ከሎ “ህዝቢ ተዛሪቡ`ሎ፡ ዝመጽእ ሰሙን ምሕረት ክጅምር`ዩ” ድሕሪ ምባል "ድምጺ ህዝቢ፡ ድምጺ ኣምላኽ`ዩ’ ክብል ብላቲን ተዛሪቡ'ሎ።

እዚ ስጉምቲ`ዚ ግን ንትዊተር ምስ ኤውሮጳውያን ተቖጻጸርቲ ኣብ ግጭት ዘእትዎ ይመስል። ኤውሮጳውያን ተቖጻጸርቲ ድማ ኣብ ልዕሊ ጎዳኢ ትሕዝቶ ዘውጽኣ ማሕበራዊ ሚድያታት ተሪር ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ይርከቡ።

ኣብ ዲጂታላዊ ጽፍሕታት ብዝግበር ምክትታል ድማ ዓለማዊ መሪሕነት ብምሓዝ ጽቡቕ ምስሊ ይህቦም ኣሎ። እቲ ሓዲሽ ሕጊ ኤውሮጳ፡ ንተጠቀምቲ ካብ ዘይሕጋዊ ዝኾነ ትሕዝቶ ዝከላኸል፡ ትካላት ማሕበራዊ ሚድያ ድማ ጽኑዕ ምክትታል ክገብራን ንተጠቀምቲ ብንጹር ክሕብራን ዝእዝዝ`ዩ። ብሪጣንያ`ውን ናይ ባዕላ ሕጊ ድሕነት ኦን-ላይን ተውጽእ ኣላ። ስለዚ ኢላን ማስክ ብታህዋኽ ዝወስዶ ስጉምቲ ምስ ሓገግቲ ብራስልስን ለንደንን ኣብ ረጽሚ ከእትዎ`ዩ ዝብሉ ተንተንቲ ኣለዉ።

27 ሃገራት ዝሓዘ ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት፡ ትዊተር ናይ ጽልኣት ትሕዝቶታት ንምልጋስ ነዊሕ ግዜ ይወስደሉ፡ ምስ ናይ 2021 ክነጻጸር ከሎ ድማ ኣብዚ ዓመተ 2022 ዝወሓደ`ዩ ኣወጊዱ ይብል። እቲ መጽናዕቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ካብ ዝቐረበሉ ጥርዓናት ንዳርጋ ፍርቆም ጥራይ`ዩ ገምጊሙ፡ ዝሓለፈ ዓመት ግን 82% ገምጊሙ ኔሩ ይብል።እቲ ሪፖርት ትዊተር ናይ ጽልኣት ዘረባ ተሓቢሩዎ፡ ዘልገሶም ግን 45.4% ጥራይ`ዮም ፡እዚ ግን ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝተሓተ`ዩ ይብል ።

ምስ ካልኦት ማህበራዊ ሚድያ ክነጻጸር ከሎ ድማ ፈይስቡክ ካብ ዝቐረበሉ ጥርዓናት ዝገምገሞም ናብ 64% ክወርድ ከሎ፡ ኢንስትግራም ናብ 56.9% ወሪዱ፡ ዩትዩብ ናብ 83.3 % ወሪዱ፡ ቲክቶክ ግን 92% ጥርዓናት ናይ ጽልኣት ዘረባ ብምግምጋም ምምሕያሽ እርእዩ።

እቲ ጥርዓናት ናይ ምቕባል ቁጽሪ እናበኣሰ ክኸይድ ይኽእል`ዩ፡ ምኽንያቱ ማስክ ንካምፓኒ ትዊተር ካብ ዝዕድግ ንድሓር ዳርጋ ፍርቂ ሰራሕተኛታቱ ካብ ስራሕ ወጽዮም`ዮም።

ኣብ ኤውሮጳ ዋና ቤት ጽሕፈት ትዊተር ኣብ ዱብሊን ኣየርላንድ ይርከብ።ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብቲ ዋና ቤት ጽሕፈት ምስ ሓለፍቲ ትዊተር ዝተራኸበ ኮሚሽነር ፍትሒ ሕብረት ኤውሮጳ ዲድየር ረይንደርስ ክዛረብ ከሎ፡ ትዊተር ምስ ሕግታት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝሳነ ስጉምትታት ክወስድ ንጽበ ኢሉ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ዝብል ዓንቀጽ ኣውጺኡ`ሎ፡ኣብ ውልቃዊ መሰላት ጽኑዕ ሓለዋ ዝገብር ሕጊ General Data Protection Regulation።

ኣብ ኤውሮጳ ዝሰርሑ ዝነበሩ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ትዊተር ምብራሮም ኣሻቒሉና`ሎ ዝበለት ካልእ ኮሚሽነር ሕብረት ኤውሮጳ ብወገና፡ብፍላይ ብሩስያ ይግበር ኣሎ ዝበለቶ ግጉይ ሓበረታ ኣብ ምውጋእ ኣንጻር ዝንቡዕ ሓበረታታት ፕሮፓጋንዳ ጽቡቕ ምክትታልን ስጉምቲ ምውሳድን ብኣድማዕነት ክትሰርሓሉ እንተኾይንካ ዓቕሚ ሰብ ኣገዳሲ`ዩ ኢላ።

“ኣብ ኦንላይን ዝግበር ናይ ጽልኣት ዘረባ ዓቢይ ሕማም ዲጂታላዊ ዘመን`ዩ” ዝበለት ምኽትል ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ቬየራ ጃውራቫ፡ ማሕበራዊ ሚድያታት ነዚ ናይ ጽልኣት ዘረባታት ካብ መርበባቶም ኣብ ምልጋስ ቃሎም ከኽብሩ ኣለዎም ኢላ።

XS
SM
MD
LG