ዋሽንግተን —
ቢል ገይትስ ንዘይማዕበላ ሃገራት ክኒና ኮቪድ19 ንክበጽሐን ናይ ሚልዮናት ዶላራት ሓገዝ ይመባጻዕ ኣሎ።
ኣብ ኣመሪካ ሓዲሽን ተስፋ ዝህብን ህጹጽ ክኒና ኮቪድ19 ኣብ ዝጽንዓሉ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ዝተረፈ ዓለም`ውን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ይግበረሉ`ሎ። ነቲ ክኒና ዝሰርሖ መርክ ዝተባህለ ፋብሪካ፡ እቲ ማልኑፒራቪር ዝተባህለ ክኒና፡ ቫይረስኮሮና ንከይባዛሕ ዝከላኸል`ዩ ይብል። ይ ዓለምና ሃብታምም ወናኒ ማይክሮሶፍትን ቢል ገይትስ ድማ ነዚ ክኒና`ዛ ናብ ድኻ ሃገራት ንምክፋል ክሕግዝ`የ ይብል ኣሎ።
ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣመሪካ ነቲ ክኒና ንህጹጽ ረብሓ እንተ ኣጽዲቕዎ ቅድሚ ሓዲሽ ዓመት ኣብ ጠቕሚ ከምዝውዕል ይሕበር'ሎ። ናብ ዘይማዕበላ ሃገራት ግን ናይ ገንዘብን ምክፍፋልን ብድሆታት ከምዝህልው ርኡይ ኮይኑ`ሎ።