ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወትሃደራዊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ 48 ተኸሰስቲ  ፍርዲ ሂቡ


ወታሃደራዊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ 'ሃገር ንምፍራስ' ምስ ህወሓት ተመሳጢሮም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም 48 ተኸሰስቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ፍርዲ ሂቡ።

ካብ 20 ነሓሰ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ጉዳዮም ክርኢ ዝፀንሐ ወታሃደራዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ 154 ተኸሰስቲ ካብ ክልተ ክሳብ 18 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ፈሪዱዎም ኣሎ።

እቲ ቤት ፍርዲ እቶም ዝተፈረዶም ንሃገሮም ዝኣተውዎ ቃል ኪዳን ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ናይቲ ሰራዊት ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቖም፣ናይ ትግራይ ፍሉይ ሓይሊ ክሓይል እዩ ዝበሉዎም ተግባራት ፈፂሞም፣ ናይ ሰራዊት ዝተፈላለዩ ምስጢራትን መረዳእታታትን ኣሕሊፎም ሂቦም ዝብል ክሲ ተመስኪሩዎም ኢሉ ።

ካብ መንጎ ዝተፈረዶም ሓለቓ ሓምሳ ሽመንዲ ትርፈ ብ18 ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን፣ሌተናል ኮሎኔል ገብረኪዳን ወልደማሪያም 18 ዓመት፣ሓለቓ ሽሕ ሃብቱ ኣበራ ግደይ 17 ዓመት ክእሰሩ ዝብል ይርከቡዎም።

ናይቶም ተኸሰስቲ ተሓጋጋዚ ጠበቓ ሓለቓ ምእቲ እምሩ ጫለ ይግባይ ዘሕትቱ ናይ ፍርዲ ወሳነታት እነትድኣ ሃሊዮም ኣብ መስርሕ ክንሓትት ኢና ኢሎም።

XS
SM
MD
LG