ዋሽንግተን —
ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ኣብ ጥቅምቲ 25,2021 ዝተገብረ ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ነቲ ስንከልከል ዝብል ዝነበረ ደሞክራሲ ከቢድ ሃስያ ኣውሪድሉ`ዩ ኢሉ ።
ኮሚሽነር`ቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሚሸል ባቸለት ኣብ ዘቕረበቶ ሪፖርት፡ ተጀሚሩ ዝነበረ መስርሕ ደሞክራሲ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ድሕሪ ምዕጻፉ ሱዳን ዳግም ናብ ዓሙቕ ቅልውላው ትጸድፍ ኣላ ኢላ።
ድሕሪ`ቲ ዕልዋ ብዙሓት ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸሙ ከምዘለዉ`ውን ኣብቲ ሪፖርታ ኣመልኪታ`ላ።