ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታሃደራዊ መንግስቲ ቻድ ምስ ገለ ተቓወምቲ ጉጅለታት ኣብ ቐጠር ውዕል ተፈራሪሞም


ኣብ ቐጠር ዝተኻየደ ምፍርራም ውዕል
ኣብ ቐጠር ዝተኻየደ ምፍርራም ውዕል

ወታሃደራዊ መንግስቲ ቻድን ኣብታ ሃገር ይዋግኡ ዘለው ገለ ዓመፅቲ ጉጅለታትን ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ኣብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ከካይዱዎ ዝመደብዎ ሃገራዊ ዕርቂ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ቐጠር ውዕል ተፈራሪሞም።

ይኹን ደኣ እምበር ፍሮንት ፎር ቼንጅን ኮንኮርድ ኢን ቻድ ዝተባህሉ ክልተ ቀንዲ ተቓወምቲ ጉጅለታት ነቲ ውዕል ከምዘይፈረሙ ተፈሊጡ'ሎ።ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዶሃ ነቲ ውዕል ዝፈረሙ ኩሎም አካላትን ግን 20 ነሓሰ ኣብ ዋና ከተማ ቻድ ኒጃሚና ዝርርብ ቅድሚ ምጅማሩ ቶኽሲ ደው ክብል ተሰማሚዖም ኣለው።

ወታሃደራዊ ጁንታ ቻድ ብወገኑ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝፈረሙ ጉጅለታት ወታሃደራዊ ወይ ናይ ፖሊስ ስርሒት ንዘይምውሳድ ተሰማሚዑ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG