ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሓድሽ ረቒቅ ቅዋም ምውጽኡ ኣፍሊጡ


ወታሃደራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ምስ ተቓወምቲ’ታ ሃገር ኣብ ምርቓቕ ቕዋም ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ብዘይምክኣሉ ብወገኑ ዝነደፎ ረቒቅ ቅዋም ከምዘውጽእ ኣፍሊጡ።ቅዋም’ታ ሃገር ምምሕያሽ ሓደ ካብቲ ወታሃደራዊ መራሕትን ተቓወምቲ ጉጅለታት ሓባራዊ ናይ መሰጋገሪ ቤት ምክሪ ንምምስራት ካብ ዝዘራረብሎም ዝነበሩ ነጥብታት ምዃኑ ይፍለጥ።

ተቓወምቲ ግን ሕጂ’ውን ርግጸኛታት ኣይኮኑን።

ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ሱዳን ብሕብረት ኣክቲቪስትን ተቓወምቲ ጉጅለታት ዝቐረበ ረቒቕ ቅዋም ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ብዘይምኽኣሉ ብወገኑ ሓድሽ ረቒቅ ቅዋም ትማሊ ምውጽኡ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሻምስ ኢል ዲን ካባሺ ብሰንበት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ዋላ’ካ ግጭት እንተዘየሎ ስምምዕ ግን የለን ኢሎም።

“ጽቡቕ ረቒቕ’ዩ ኣብ ብዙሕ ንሰማምዓሉ ነጥቢ ኣሎ ንሶን(ተቓወምቲ) ግን ዘይሰማማዕሉ ብዙሕ ነጥብታት ኣሎ ግን ኸአ ንሱ ኣብ መንጎና ብዝካየድ ልዝብ ክፍታሕ ይክእል’ዩ” ኢሎም።

ብሕብረት ተቓወምቲ ጉጅለታት ኣዋጅ ንናጽነትን ሓይልታት ለውጢን ረቒቅ ቅዋም ዝሓለፈ ሰሙን ሓሙስ ናብቲ ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ምልኣኾም ይገልጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ኣፍደገ ዋና ቤት ጽሕፈት ሚንስትሪ ምክልካል’ታ ሃገር ዝካየድ ኮፍ ናይ ምባል ኣድማ ንራብዓይ ሰሙን ይቕጽል ኣሎ።

ተቓወምቲ ጉጅለታት ወታሃደራዊ መሪሕነትን ሓባራዊ ናይ መሰጋገሪ ቤት ምክሪ ብምምስራት ነታ ሃገር ንክልተ ዓመታት ክመርሑ እንተተሰማምዑ መን ዝያዳ ድምጺ’ቲ ቤት ምኽሪ ይሃልዎ ኣብ ዝብል ግን ኣይተሰማምዑን ብሰንኪ’ዚ ድማ ተቓወምቲ ንስጉምቲታት’ቲ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሕጂ’ውን ይጠራጠሩ።

XS
SM
MD
LG