ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታሃደራዊ መራሕነት ሱዳን ምስ ተቓወምቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ልዝብ ከምዘቋረጾ ኣፍሊጡ


ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ምስ መራሕቲ ሲቪላዊ ተቓውሞ ክካየዶ ዝጸንሐ ልዝብ ደው ከምዘበለ ኣፍሊጡ። እቲ ወታሃደራዊ መሪሕነት ነዚ ዘፍለጠ ትማሊ ረቡዕ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ሰልፈኛታትን ሓይልታት ጸጥታ’ታ ሃገርን ብዘጋጠመ ግጭት ሸሞንተ ሰባት ድሕሪ ምቁሳሎም’ዩ።

ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ምስ መራሕቲ ሲቪላዊ ተቓውሞ ዝካየድ ልዝብ ንዝመጽእ 72 ሰዓታት ከምዝተቋረጸ ብምሕባር፡ ጠንቂ ዘጋጠመ ግጭት ሰልፈኛታት ንዋና ጎደና’ታ ሃገር ዝዓጸወ ዕንቅፋት ከልዕሉ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም ምዃኑ ገሊጾም።

ወታሃደራዊ መራሕነት ሱዳን ምስ ተቓወምቲ ዘካይድዎ ልዝብ ከምዘቋረጾ ኣፍሊጡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:11 0:00

ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን ንናይ 30 ዓመታት መሪሕነት ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ኣብ ሚያዝያ 11 እንተአለየ’ኳ ንሲቪላዊ ምምሕዳር ዝጠልቡ ሰልፈኛታትን ግን ኮፍ ናይ ምባልን ዕንቕፋትን ናይ ምቕማጥን ተቓውሞኦም ቀጺሎም’ኣለው።

ኣብ መንጎ ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ሱዳንን መራሕቲ ተቓወምቲን ዝካየድ ልዝብ ቅድሚ ምቁራጹ ኣብ ጉዳይ መሰረታዊ ቅርጺ ምቋም መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም ይዝከር።

እቲ ስምምዕ ንውሓት ጊዜ መሰጋገሪ መንግስቲ ሰለስተ ዓመት ኽከውን፡ እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ብሰለስተ አካላት ሉኣላዊነት፡ ሚኒስትሪታትን ሓጋጊ ኣብያተ ምኽሪ ዝቆመ ክከውንን ተቓዋሚ ውድብ ኣዋጅ ንናጽነትን ሓይልታት ሕብረትን ድማ ክልተ ሲሶ ናይቲ 300 አባላት ዘለዎ ፓርላማ ክሕዙ ዝብል ምኳኑ ይፍለጥ።

ይኹን ደአ እምበር ኣየናይ ወገን ዝበዝሐ መንበር ቤት ምኽሪ ን ልኡኣላዊነት ይሕዝ ኣብ ዝብል ግን ኣብ ስምምዕ ኣይተበጽሓን።

XS
SM
MD
LG