ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታሃደራዊ መራሕቲ ሱዳን ዕላምኦም ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምምስራት ምዃኑ ገሊጾም


ድሕሪ ምእላይ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ነታ ሃገር ዝመርሑ ዘለው ወታሃደራዊ መራሕቲ ሱዳን ሲቪላዊ መንግስቲ ብቕልጡፍ ናይ ምምስራት ዕላማ ከምዘለዎም ትማሊ ሶኑይ ገሊጾም። ወሃቢ ቃል ቤት ምኽሪ ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ሌተናል ጀነራል ሸምሸዲን ኪባሺ ትማሊ ሶኑይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፖለቲካን ማሕበራዊ ጉጅለታት’ታ ሃገር ልዝብ ይካየድ ከምዘሎ ገሊጾም።

ወታሃደራዊ መራሕቲ ሱዳን ዕላምኦም ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምምስራት ምዃኑ ገሊጾም
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:59 0:00

ንሶም ነዚ መግለጺ ዝሃቡ ወታሃደራዊ መራሕቲ ነቲ ኮፍ ናይ ምባል ኣድማ ዘካየዱ ዘለው ተቓወምቲ'ታ ሃገር ዝተዓጸወ መንገድታት ክኽፈት ትእዛዝ ድሕሪ ምሃቦም ኣብ መንጎ ተቓወምቲን ወታሃደራዊ መራሕቲ’ታ ሃገርን ውጥረት ኣብ ዝዓረገሉ እዋን እዩ።

ካብ ሚያዝያ 6 ጀሚሮም ኣብ ኣፍደገ ዋና ቤት ጽሕፈት ሚንስትሪ ምክልካል ኮፍ ናይ ምባል ኣድማ ዘካየዱ ዘለው ተቓወምቲ ሲቪላዊ ምምሕዳር ኣብታ ሃገር ብቕልጡፍ ክምስረት ዝጠልቡ እዮም።

XS
SM
MD
LG