ዋሽንግተን —
መራሒ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡህራን ምስ ተቓወምቲ’ታ ሃገር ዝተበጽሓ ስምምዕ ከምዘተግብርዎ ገሊጾም፡ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ብወገኖም ኣብታ መላእ'ታ ሃገር ጸዊዖሞ ዝነበረ ህዝባዊ ዘይምእዛዝ ምስራዞም ሓቢሮም።
ወታሃደራዊ መራሕቲን መራሕቲ ተቓወምቲ ሱዳን ብዓርቢ ካብ ክልቲኡ ወገናት ዝተዋጽኡ አባላት ቤት ምኽሪ ሉኣላዊነት ነቲ ስለስተ ናይ መሰጋገሪ ዓመታት ክመርሑ ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም ምግላጾም ይዝከር።
ጀነራል ቡርሃን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “ ንሕና ከም ወታሃደራዊ መሪሕነት እዛ ሃገር ነቲ ዝተበጽሓ ስምምዕ ንምሕላውን ምትግባሩ ንምርግጋጽን ቃል ንኣትው” ኢሎም።
ንሶም ብተወሳኺ ምስ ሓይልታት ሕብረት ንናጽነትን ለውጢን ብሓባር ብምዃን ንድልየት ህዝቢ ንምምላእ ብምትሕብባር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
እቲ ስምምዕ ዝተበጽሓ ድሕሪ ብመንጎኛታት ሕብረት ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ ጽዑቕ ልዝብ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።
እቲ ስምምዕ ብተወሳኺ ኣብ ሱዳን ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ቀዳሞት 21 ኣዋርሕ እቲ ወታሃደራዊ መሪሕነት ነታ ሃገር ክመርሕ ከሎ ዝቕጽል 18 ኣዋርሕ ድማ ብሲቪላዊ ምምሕዳር ከምትመራሕ ይሕብር።