ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ቡርሃን ናብ ኣልፋሽጋ ምኻዶም ተሓቢሩ


ወታሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን
ወታሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን

ወታሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ምስ ካልኦት ላዕለዎት ወታሃደራውያን ኣዘዝቲ ብምዃን ናብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘከራኽር ዘሎ ስፍራ ኣልፋሽጋ ከም ዝበጽሑ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ካርቱም ጸብጺቡ።

ዑደት ጀነራል ቡርሃን፡ ሱዳን ሽዱሽተ ወተሃደራታ ብኢትዮጵያ ከም ዝተቐትሉዋ ድሕሪ ምግላጻ’ዩ። ከም መግለጺ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሱዳን፡ እቶም ወተሃደራት ሱዳን ንዅነታት ዓጺድ ክዕዘቡ ምስ ከዱ’ዮም ብወተሃራትን ሚሊሻን ኢትዮጵያ ተቐቲሎም። እቲ መግለጺ ወሲኹ’ውን ወተሃደራት ሱዳን መልሰ-መጥቃዕቲ ገይሮም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከቢድ ክሳራ ከም ዘውረዱ የመልክት።

ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ምክልኽላ ሱዳን ንረድዮ ድምጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሩዎ፡ ዑደት ጀነራል ቡርሃን ነቲ ዶባት ንምዕዛብን ሞራል ሰራዊት ክብ ንምባልን’ዩ።

ብወገን ኢትዮጵያ ግን ዛጊት ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝወጸ መግለጺ የሎን።

XS
SM
MD
LG