ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታሃደራዊ መራሒ ሱዳን ብህዝቢ ዝተመረጸ መንግስቲ ክተክል'የ ይብል


ጀነራል ዓበደል ፈታሕ ቡርሓን
ጀነራል ዓበደል ፈታሕ ቡርሓን


ኣብዚ ሰሙን`ዚ ንሲቪላዊ መንግስቲ ሱዳን ዘፍረሰ ላዕላዋይ ወታሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓበደል ፈታሕ ቡርሓን፡ ኣብታ ሃገር ብህዝቢ ዝተመረጸ መንግስቲ ክተክል`የ ይብል ኣሎ።

ጸብጻባት ከም ሃገራት ወሽመጥ ዝበላ ሓያላት መሻርኽቲ ሃገራት ከምዘለውኦ ዝንገረሉ ጀነራል ቡርሓን፡ ነቲ ወተሃደራዊ ስድራቤት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ምግባሩ ክቕጽል ዝደለየ ይመስል ይብሉ ። ኣብ 2019 ንዑማር ኣል በሽር ምስ ካልኦት ብጾቱ ብምዃን ዝዓለወ ቡርሓን፡ ካብቶም ናብ ኣህጉራዊ መጋባእያ ገበናት ዝተኸሰሱ ኣይኮነን፣ ከምኡ`ውን ካብቶም ብዑማር ኣል በሽር ተሸይሞም ዝነበሩ ጀነራላት ዘይ፡እስላምዊ ጀነራል ምዃኑ`ዩ ዝፍለጥ። ክሳብ 2023 ምርጫ ዝግበር ድማ ነታ ሃገር ክመርሕ ሓላፍነት ጸኒሕዎ`ዩ። ጀነራል ቡርሓን ኣብ ሓምለ 2023 ሃገራዊ ምርጫ ምስ ተገብረ ግን ስልጣኑ ነቲ ሽዕኡ ዝምረጽ ሲቪላዊ መንግስቲ ከም ዘረክብ ኣፍሊጡ`ሎ፡ ።

ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ንስልጣን ሲቪላዊ መንግስቲ ሱዳን ብምሕዳግ፡ ነቲ ላዕላዋይ ቤት ምኽሪ ኣፍሪስዎ፡ ሽሕ`ኳ ሓምዶክ ምስ በዓልቲ ቤቱ ትማሊ ሰሉስ እንተ ተፈትሐ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዓብደላ ሓምዶኽ ዝርከብዎም ሰበ-ስልጣን መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ።

ጀነራል ዓበደል-ፈታሕ ኣል ቡርሓን፡ ነቲ ስጉምቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝወሰዶ እታ ሃገር ናብ ውግእ ሕድሕድ ንኸይትኣቱ ንምድሓና ምዃኑ ብተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ`ሎ።

ብኻልእ ወገን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ መግለጽ፡ ሲቪላዊ መንግስቲ ክሳብ ናብ ቦትኡ ዝምለስ ሱዳን ኣብ ኩሉ በቲ ሕብረት ዝግበር ምንቅስቓሳት ንኸይትሳተፍ ኣደስኪልዋ`ሎ።


ከምኡ`ውን ኣብ ሱዳን ዝተፈጥረ ቅልውላው ንክፍታሕ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ጽምዶ ንምእታው ናብ ሱዳን ተልእኮ ክገብር ወሲኑ`ሎ። ኩሎም ወገናት ነቲ ኣብ ጁባ ኣብ 2020 ዝተበጽሐ ኣጠቓላሊ ውዕል ክምእዘዙ ሕብረት ኣፍሪቃ ጸዊዑ`ሎ።

XS
SM
MD
LG