ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን ኣብ ዝመጽእ 9 ኣዋርሕ ምርጫ ከምዘካየድ ኣፍሊጡ


ወታሃደራዊ ቤት ምክሪ ሱዳን ምስ ተቓወምቲ ዝተበጽሓ ስምምዕ ከምዝሰረዞ ኣፍሊጡ።

እቲ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ነዚ ዘፍለጠ ትማሊ ሶኑይ ኣብ መንጎ ተቓወምቲን ሓይልታት ጸጥታን ብዘጋጠመ ግጭት 35 ምሟቶም ስዒቡ’ዩ።

ላዕለዋይ ሓላፊ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡህራን ሎሚ ሶሉስ ብቴሌቭዥን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓድሽ መንግስቲ ብህጹጽ ከምዝምስረትን ኣብ ዝመጽእ 9 ኣዋርሕ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ነታ ሃገር ከምዝመርሕ ኣፍሊጦም ኣለው። ንሶም ብተወሳኺ እቲ ምርጫ ብደረጃ ዞባታት ዝተወደበ ከምዝኸውንን እብ ትሕቲ ዓለምለኸ ተዓዘብቲ ዝካየድ ምኳኑ ገሊጾም ኣለው።

ትማሊ ሶኑይ ኣብ ኣፍደገ ሚንስትሪ ምክልካል’ታ ሃገር ተቓውሞ ዘካየዱ ኣብ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ነቲ ኣብ መንጎ ወታሃደራዊ መሪሕነትን ሕብረት ተቓወምቲ ውድባት ንናጽነትን ለውጢን ዝካየድ ዝነበረ ልዝብ ደው ከምዘበሎ ተገሊጹ’ሎ።

ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን ኣብ ዝመጽእ 9 ኣዋርሕ ምርጫ ከምዘካየድ ኣፍሊጡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:21 0:00

ቀንዲ ተቓዋሚ ውድብ’ታ ሃገር ማሕበር ሰብ ሞያ ሱዳን ነቲ ናይ ትማሊ ሶኑይ መጥቓዕቲ ሓይልታት ጸጥታ “ምጽናት ዓሌት” ዩ ክብል ምግላጹ ይፍለጥ።

ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ነቲ መጥቓዕቲ ጨካን ዝተወሃደ መጥቃዕቲ’ዩ ኢሎም ድሕሪ ብምኹናን ዝኾነ ኣብ ሱዳን ኣብ መጻኢ ናብ መሪሕነት ዝመጽእ መንግስቲ ንተቓወምቲ ዘጠቓልል ክከውን ኣለዎ ኢሎም።

ጀነራል ቡርሃን ነቲ ናይ ትማሊ ግጭት ዝምልከት ምርመራ ከምዝካየድ እንተገለጹ እዃ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ምስቲ ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ስምምዕ ብዘይምብጽሖም ነቲ ኩነታት ከም ዝናዋሕ ብምግባሮምን ነቒፎም።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብጠለብ ብሪጣንያንን ጀርመንን ንጉዳይ ሱዳን ዝምልከት ሎሚ ሶሉስ ዕጽው አኼባ ከምዘካይድ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ትማሊ ሶኑይ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ኮፍ ናይ ምባል አድማ ኣብ ዝካየደሉ ቤት ጽሕፈት ሚንስትሪ ምክልካል ብዘካየድዎ መጥቓዕቲ 35 ሰባት ምሟቶም ይግለጽ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG