ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን መዝነቱ ብቕልጡፍ ከረክብ ከምዝደልይ ሓደ ላዕለዋይ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ገሊጹ


ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን መዝነቱ ብቕልጡፍ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ንዝተመርጸ መንግስቲ ከረክብ ከምዝደልይ ሓደ ላዕለዋይ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ገሊጹ።

ምክትል ሓላፊ ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ጀነራል መሃመድ ሓምዳን ዳግሎ ምስ ናይ ግብጺ ጋዜጣ ኣል ሃራም ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መጠይቕ “ደኺምና ኢና። መዝነትና ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ ከነረኽብ ንደልይ ኢና “ ኢሉ።

እቲ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ምስ ሲቪላዊ መሪሕነት ዝጠልቡ ሕብረት ተቓወምቲ ውድባት ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ንዝመጽእ ሰለስተ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሕ ሉዓላዊ ቤት ምኽሪ ብሲቪላዊ መሪሕነት ክቐውም ኣብ ዝብል ልዝብ ከካይዱ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ይኹን ደአ እምበር ክልቲኦም ወገናት ኣብ ስምምዕ ከይበጽሑ እቲ ልዝብ ብሶሉስ ምቁራጹን መዓስ ከምዝቕጽል ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ጀነራል ዳግሎ ግን እቲ ወታሃደራዊ መሪሕነት ክሳብ ሕጂ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ብዘይምኽኣሉ “ትዕግስቱ ይውዳእ ኣሎ” ክብሉ ይገልጹ።

ንሶም ወሲኾም “አባላት’ቲ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ፖለቲከኛታት ኣይኮኑን ስለዚ መንግስቲ ክምስረት ኢና ንጽበይ ዘለና” ኢሎም።

ኣብ ምልቃቕ መዝነት ዑመር ኣልበሽር ዓብይ ተራ ዝተጻወቱን ኣብቲ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ጉሉእ ቦታ ዘለዎም ጀነራል መሃመድ ሓምዳን ዳግሎ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽርን ካልኦትን ይቕጽል ምህላው ገሊጾም።

“ ክሳብ ሕጂ 25 አባላት’ቲ ዝሓለፈ መሪሕነት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እእቲና ኣለና ፡ ንመስርሕ ፍርዲ ዝምልከት ምድላው’ውን ነካይድ ኣለና።”

ገለ ካብ ተቓወምቲ ግን ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ዘጋጠመ ተኹሲ ነቲ ብጀነራል ጃግሎ ዝምራሕ ናይ ህጹጽ እዋን ሓገዝ ወሃቢ ሓይሊ ይወቕሱ።

XS
SM
MD
LG