ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ወታሃደራዊ መሪሕነትን ተቓወምቲን ሱዳን ዳግማይ ልዝብ ንምቕጻል ተሰማሚዖም" ፍሉይ ልኡኽ ኢትዮጵያ


ፍሉይ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መሓመድ ዲርዲሪ
ፍሉይ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መሓመድ ዲርዲሪ

ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ሱዳንን ተቓወምቲን መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ንምምስራትን ዝተቛረጸ ልዝብ ዳግማይ ከንምጅማር ምስምማዖም ናይ ኢትዮጵያ ልኡኽ ኣፍሊጡ።

ሕብረት ተቓወምቲ ብወገኑ ዝተጸወዐ ኣድማን ሲቪላዊ ዘይምእዛዝን ከምዘቋርጾ ኣፍሊጡ'ሎ።

ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን እሱራት ፖለቲካ ከምዝፈትሕ ፍሉይ ል ኡኽ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መሓመድ ዲርዲሪ ኣብ ካርቱም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝ ሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሶኑይ ዘጋጠመ ግጭት ነቲ ኣብ መንጎ ተቓወምቲን ወታሃደራዊ መሪሕነት ዝነበረ ልዝብ ደው ምባሉ ይዝከር።

ኣዋጅ ንናጽነትን ሓይልታት ለውጢን ዝተባህለ ጥምረት ተቓወምቲ ብወገኑ ኣብታ ሃገር ጸዊዕዎ ዝነበረ ኣድማ ካብ ሎሚ ረቡዕ ጀሚሩ ደው ክብል ጸዊዑ'ሎ።

መራሕቲ ተቓወምቲ ካልድ ዑመር ንኣል ሓዳ ዝተባህለ ቴሌቭዥን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ነቲ ኣድማ ደው ናይ ምባል ውሳነ ምስ ዝኾነ ፖለቲካ ምዕባለታት ዝተሓሓዝ ኣይኮነን ኢሎም።

ኣብዚ ሰሙን መጀመርያ ንሱዳን ዘምርሑ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ሸሞንተ ካብ ሲቪል መሪሕነት ሸውዓተ ድማ ካብ ወታሃደራዊ መሪሕነት ዘለውዎ 15 አባላት ዘለውዎ ቤት ምኽሪ ክምስረትን ፕረዚደንት ድማ ካብ ክልቲኡ ወገን ብብተራ ክኸውን ሓሳብ ምቕራቦም ይፍለጥ።

ተቓዋሚ ሕብረት ኣዋጅ ንናጽነትን ሓይልታት ለውጢን ስም ዝርዝር እቶም ሸሞንተ አባላት ቤት ምኽሪ ምርቑሑ ይፍለጥ።

ኣሜሪካ ንምክትል ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ናብ ሱዳን ከምዘምርሕ ሓቢራ'ላ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሱዳን ሲቪላዊ ምምሕዳር ክሳብ ዝምስረት ንአባላትነት ሱዳን ካብቲ ሕብረት ኣጊዱ'ሎ።

XS
SM
MD
LG