ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታሃደራት ቱርኪን ሩሲያን ንሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ካብ ዓርቢ ጀሚሮም ከምዝሕልው ፕረ. ኤርዶጋን ገሊጾም


ተዋጋእቲ ናይ ሶሪያ ኩርዳዊያን ካብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶሪያ ንምውፃእ ድሕሪ ምስምምዖም ወታሃደራት ቱርኪን ሩሲያን ነቲ ከባቢ ምሕላው ድሕሪ ፅባሕ ዓርቢ ከምዝጅመሩ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ታይፕ ኤርዶጋን ገሊፆም።

ንሶም ሎሚ ረቡዕ ብቴሌቪዥን ኣብዘስምዕዎ መደረ “ዓርቢ ኣብ ባይታ ብሓባር ምስራሕ ክንጅመር ኢና’’ኢሎም ።

ሚንስትር ምክልኻል ሩሲያ ናይ ሶሪያ ኩርዳዊያን ተዋጋእቲ ብመሰረት ዝሓለፈ ሰሙን ዝተበፅሐ ስምምዕ ዓሰርተታት ኣሽሓት ተዋጋእቶም ትማሊ ሶሉስ ካብቲ ከባቢ ስሒቦም ወጺኦም ኣለው ክብል ገሊፁ።

ፕረ.ኤርዶጋን ወሲኾም እቲ ምስሓብ ምሉእ ብምሉእ ዘይምዝዛሙ ሓበሬታ ኣለና ክብሉ ሓቢሮም ኣለው።

ኣብ መጀመሪያ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ናይ ፕረዚደንት ትራምፕ ቱርኪ መጥቓዕቲ ክትወስድ መንገዲ ዝሃበ ብሃንደበት ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሓይልታት ኣሜሪካ ክወፁ ምእዛዞም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG