ዋሽንግተን —
ዩክሬን ካብ ቀንዲ ሰዳዲት መግቢ ንሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ምንባራ፡ይኹን ደኣ እምበር ብሰንኪ ወራር ሩስያ ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ዓለም፡ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ንጥሜት ክቃልዑ ምዃኖም ሰብ-መዚ ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቑ ኣለዉ።
ዩክሬን ኣስታት 40% ሰደድ ስርናይን ዕፉንን ናብ ኣፍሪቃ ትገብሮ ምንባራ ይፍለጥ። ብሰንኪ’ዚ ኲናት ድማ ኣስታት 138 ሚልዮን ህዝቢ ኣፍሪቃ፡ ብሕልፊ እኳ እተን ቀንዲ ኣብ ሰደድ ዩክሬን ዝምርኰሳ ዝነበረ ከም በዓል ናይጀሪያን ኢትዮጵያን ኣበርቲዐን ክጽለዋ ምዃነን ጸብጻብ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ካብ ናይሮቢ ኬንያ ይሕብር።