ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወለዲ፡ስድራ ቤትን ፈተወትን መወቲ ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብቲ ቦታ ይበጽሑ


ወለዲ፡ስድራቤትን ፈተወትን መወቲ ብሰንበት ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሎሚ ሶሉስ ናብቲ ቦታ ይበጽሑ ምህላዎም ተገሊጹ።

ኣደ ሓንቲ በቲ ሓደጋ ካብ ዝሞታ አባላት’ታ ነፋሪት ዝኾነት ኣያንቱ ግርማ እታ ነፋሪት ናብ ዝወደቐትሉ ቦታ ብምብጻሕ ዝምጸትሉ ምክንያት ከምዚ ክትብል ተረድእ።

“እቲ ዘጋጠመ ኮይኑ እዩ እንተኾነ ሬሳ ጓለይ ይደልይ ኣለኹ። ንጓለይ ብሰላም ከዕርፋ ይደልይ ኣለኹ። ናብዚ ቦታ ዝመጻእኹ ጓለይ ህይወታ ዝሰኣነትሉ ቦታ ንምርኣይ’ዩ”ትብል።

ካልእ ኣብቲ ቦታ ዝተረኽበ ዓርኪ ኣብራሪ’ታ ነፋሪት ካፒቴን ያሬድ ምዃኑ ዝገለጸ ተፈሪ እክል ምስሊ’ቲ ፓይለት ካብ ቴሌፎኑ እንዳረኣየ ከምዚ ይብል።

“ዋላ’ዃ ሬሳ ያሬድ ክንረኽብ እንተዘይኸአልና ንዓርክና ዝግባእ ክብሪ ንምሃብ ኢና ኣብዚ ተረኺብና ዘለና። ናብዚ ህይወቱ ዝሰኣነሉ ቦታ ብምምጻእ ክንፋነዎ ኢና መጺና። ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ቅኑዕ ሰብ እዪ ኔሩ። ዝፈልጦ ዘበለ ቅኑዕ፡ሰናይ ሰብ ምንባሩ ይምስክር። እግዚኣብሄር ኣብ የማኑ ይቐበሎ” ኢሉ።

ካልእ ሓውን አዲኡን በቲ ሓደጋ ዝሰኣነ ሶማላዊ ኑረዲን መሓመድ “ኣደይን ሓወይን እየ በዚ ሓደጋ ስኢነ። ሕጂ ኢና መጺና። ክልቲኦም መንግስታት ሓገዝ ይገብሩልና ኣለው። አባላት ኤምባሲ’ውን ክመጹ ንጽበዮም ኣለና”ኢሉ።

አባላት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በቲ ሓደጋ ንዝሞቱ ትማሊ ሶኑይ ናይ ዝኽሪን ሽምዓን ስነ ስርዓት አካይዶም ኔሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝተዋጽኡ ሰብ ሞያ ናብቲ ቦታ ይኣትው ከምዘለው’ውን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ’ሎ።

ናይ ኣሜሪካን እስራኤልን ሰብሞያ ናብቲ ቦታ ምብጽሖም ተፈሊጡ’ሎ።

ብሰንበት ካብ አዲስ አበባ ናብ ኬንያ ትበርር ዝነበረት ቦይንግ 737 ማክስ 8 ዝዓይነታ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ ምብጋሳ ሽዱሽተ ደቓይቕ ኣብ ከባቢ ቢሾፍቱ ብምውዳቓ 149 ተሳፈርቲን 8 አባላት መንገዲ ኣየርን ብምሉኦም ም ሟቶም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG