ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወሃብቲ ርእይቶ ወናኒ ትዊተር ኢላን ማስክ ካብ መዝነቱ ክወርድ ይሓቱ


ፋይል
ፋይል

ልዕሊ ፍርቂ እቶም 17.5 ሚልዮን ብርእይቶም ምላሽ ዝሃቡ ተጠቀምቲ ትዊተር፡ ሓላፊ ትዊተር ኢላን ማስክ ካብ ሓላፍነት ክወርድ ጸዊዖም።

እቲ ክወሃብ ዝቐነየ መእከቢ ርእይቶታት ሎሚ ሰኑይ ተዓጽዩ`ሎ። ብዛዕባ`ቲ ውጽኢት ርእይቶታት ካብ ትዊተር ወይ ካብ ማስክ ዛጊት ዝተባህለ ነገር የለን። ግን ማስክ ንውጽኢት ወሃብቲ ርእይቶ ከምዘኽብር ኣፍሊጡ ኔሩ`ዩ። ማስክ ትማሊ ሰንበት ምስ ብርክት ዝበሉ ተጠቀምቲ ትዊተር ተጋጭዩ ኔሩ። ንሱ ኣሽማት ተወዳደርቲ ዝኾና ማሕበራዊ መርበባት ምጽዋዕ ዝእግድ መምርሒ ብምጽውኡ ከም ዝተጋገየ ድሕሪ ምእማኑ`ዩ፡ ኣብ ሓላፍነት ትዊተር ብዛዕባ ክጸንሕ ዝግብኦን ዘይግብኦን፡ ተጠቀምቲ ክውስኑ ሕቶ ኣቕሪቡ ኔሩ።

ኣብ ካልእ ርኡይ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ድማ፡ ድሕሪ ደጊም ተጠቀምቲ ትዊተር ምስ ፈይስቡክ ኢንስትግራም ወይ ማስቶደን ሊንክ ማለት ምትእስሳር ከይገብሩ ትዊተር ምእጋዱ`ዩ።

እንተኾነ እቲ ውሳነ ካብ ደገፍቲ ትዊተር ዝነበሩ ተጠቀምቲ ከይተረፈ ነቔፈታ ኣስዒቡ`ሎ። ተኣጊደን ዘለዋ መርበባት ናይ ዶናልድ ትራምፕ ትሩዝ ሶሻል ትብል ከይተረፈ ዘጠቓልላ`የን።

XS
SM
MD
LG