ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወሃቢ ቃል ክልል ኣምሓራ፡ ‘መግለጺ ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ተቀባልነት ዘይብሉ እዩ’ ይብል 


ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንትኒ ብልንክን ‘ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ካብ ትግራይ ምውጻእ እቲ ቀዳማይን ኣገዳሲን ስዳሮ እዩ። ስዒቡ ኩሎም ኣብ’ቲ ውግእ ዝሳተፉ ሓይልታት፣ ባዕላዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ክትግብሩን ናብ ሙሉእ ትግራይ ሓገዝ ብዘይገለ ዕንቅፋት ዝባጻሓሉን ኩነታት ንክመቻችውን ተገዳስነት ከርእዩን ኣለዎም’ ከምዝበሉ ዝዝከር እዩ። ፓርቲ ዓረና ንዴሞክራሲን ሉኣላዊነትን ብወገኑ ተመሳሳሊ ጻውዒት ትማሊ ከምዘቅረበ ይፍለጥ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘርገሖ ሰሙናዊ መግለጺ "ኢትዮጵያ ኣብ ዘቤታዊ ዛዕባታታ፣ ናይ ዝኾነ ጣልቃ ምትእትታው ከምዘይተታኣናግድ" ኣፍሊጡ አሎ። ወሃቢ ቃል’ቲ ቤት ዕዮ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላማዊ እዩ ዝበለ እቲ መግለጺ፣ ኣብ ቀጻሊ’ውን ነባሪ ርክባት ንግዲን ዞባዊ ጽምዶታትን ንምምስራት ይስራሕ ኣሎ ኢሎም ።

ነዚ ኣመልኪቱ ግብረ መልሲ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ አቶ ጌታቸው ሙሉነህ "ጸግዓ ጸግዒ ካብ ምዝራብ፣ ብንጹር ክባሃል ኣለዎ። ራያን ከባቢኡን፣ ወልቃይን ከባቢኡን፣ ወልቃይት፣ ጸገዴ፣ ሰቲት ሑመራን ወሲኻ፣ ራያ፣ ኣላማጣ፣ ኮረም፣ ራያ ዓዘቦን ማለትና እዩ፣ እዞም ከባቢታት’ዚኦም ኣብ ታሪኽ ናይ ትግራይ ኮይኖም ኣይፈልጡን’ ኢሉ።

ደጋዊ ኣካላትን ካልእ ዝተጠቀሰ ተቃዋማይ ፓርቲ (ዓረና ፓርቲ ማለቱ’ዩ) ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ሓሳብ ምቅራቦም፣ ወይ ክሲ እንተኾይኑ’ውን፣ ቁምነገር ዘይብሉ እዩ። ቅኑዕ መደምደምታ’ዩ ዝብል እምነት’ውን የብልናን። እዚ ጉዳይና’ዩ፣ ዘቤታዊ ዋኒና እዩ።

ወሃቢ ቃል ክልል ኣምሓራ ኣቶ ጌታቸው ሙሉነህ "ሓይሊታት ክልል ኣምሓራ ካብ ክልል ትግራይ ይውጽኡ ዝብል ሓረግ ቅኑዕ ኣይኮነን ዝብል መግለጺታት ኣብ ሚድያታትና ከይተረፈ ኣነጺርና ኣለና። ሎሚ’ውን መርገጺና ኣይተቀየረን’"ኢሉ ።

ምሉእ ት ሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።



XS
SM
MD
LG