ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወሃቢ ቃል ሕ/ሃ ኣብ መቐለ ዝተኻየደ ደብዳብ ከምዘሻቐሎም ገሊጾም


ወሃቢ ቃል ሕ/ሃ -ፋይል
ወሃቢ ቃል ሕ/ሃ -ፋይል

ኣብ መቐለ ደብዳብ ነፋሪት ምክያዱን ኣብ ልዕሊ ንብረትን ሰላማዊያን ሰባትን ጉድኣት ከምዘውረደ ዝሕብር ሪፖርት በጺሑና ኣሎ ዝበለ ወሃቢ ቃል ሕ/ሃ: ኣዝዩ ዘሻቅል ምዕባለ እዩ፣ ክነረጋግጽ ኣይካኣልናን፣ እንተኾነ ኣብ መቐለ ሰራሕተኛታት ኣለውና፣ ደሓን ከምዝኾኑ ኣረጋጊጽና ኢና ኢሉ። እቲ ወሃቢ ቃል ናይ ርክባትን ናይ ምንቅስቃስን ጸገም ከምዘለዎም’ውን ፈሊጥና ኣለና ይብል።

እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ‘ከምዝመስለኒ፣ እቲ ናይ ሎሚ ፍጻመ ምቁራጽ ተኹሲ ንክትግበር ብቁዕ ምኽንያት እዩ። ኢትዮጵያ፣ ኣብ’ቲ ደርቂ ዘጥቀዖ ዞባ እያ ትርከብ። ብዛዕባ ሰብኣዊ ረድኤት ኢና ደጋጊምና ንዘራረብ ዘለና። ምኽንያቱ፣ ንኩሎም ኢትዮጵያዊያን ብማዕረ ስለንግደሰሎም፣ እቲ ውግእ ደው ክብል ይግባእ" ይብል።

ኩሎም ተዋጋእቲ ወገናት፣ ንሰላማዊያን ሰባት ካብ ሓደጋ ንምድሓን ክጽዕሩን፣ ልዕሊ ኩሉ ብዘይ ዕንቕፋት ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ምህላው ንከረጋግጹ’ውን ጸዊዑ።

XS
SM
MD
LG