ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወሃቢት ቃል ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ምስ መራሕቲ ታይዋን ተራኺበን፡ ተዘራሪበን


ወሃቢት ቃል ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ናንሲ ፐሎሲ ምስ ፖለቲካዊ መራሕቲ ታይዋን ኣብ ዋና ከተማ ቴይፒ ሎሚ ረቡዕ ተራኺበን።ቻይና ኣካል ግዝኣተይ እያ ካብ እትብላ ታይዋን ውፅእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ወታሃደራዊ ምንቅስቓስ ብምግባር በቲ ዑደት ዝሓደራ ቅሬታ ኣርእያ ኣላ።

ፐሎሲ ትማሊ ምሸት ታይዋን ኣብ ዝኣተዋሉ ምስ ፕረዚደንት ቻይ ኢንግ-ወን ተራኺበን:ተዘራሪበን።ንሰን ኣብታ ንርእሳ እተመሓድርን ቻይና ግን ግዝኣተ እያ ትብላን ደሴት ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ዑደት ዘካየዳ ፈላመይቲ ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን ኣመሪካ እየን።

ፐሎሲ ብዛዕባ እቲ ዑደት "ቻይና ታይዋናዊያን ናብ ኣኼባታት ከይሳተፉን ከይጉዓዙን ኣብ መንገዶም ጠጠው እንተበለት እውን ሰባት ናብ ታይዋን ንከይኸዱ ንምኽልካል ኣብ መንገዲ ጠጠው ክትብል ከምዘይትኽእል ብሓቂ ንፁር ከምዝኾነላ ተስፋ እገብር።እዚ ምሕዝነት፣ደገፍ ንምርኣይ ጥራሕ ዘይኮነስ ከመይ ብዝሓሸ ብሓባርን ብምትሕብባርን ከንሰርሕ ከም እንኽእል መምሃሪ እውን እዩ።ወሃቢት ቃል ስለዝኾንኩ ይመስለኒ ብደቂቕ ነገር ዕግርግር ዝፈጠሩ ዘለው ይመስለኒ።እቲ ምኽኒያት ንሱ እንተኾይኑ ኣይፈልጥን ግን ቅድሚ ሎሚ ደቂ ተባዕትዮ ኣብዝመፅኡ ግዜ ዝበሉዎ ነገር ኣይነበረን።"

ኣብ ፓርላማ ታይዋን መደረ ዘስምዓ ፐሎሲ ንሰን ዘመርሕኦ ልኡኽ ኮንግረስ ናብ ታይዋን ዝመፀሉ ምኽኒያታት ፀጥታ ህዝብን ዓለምን፣ክንድ ዝክኣል ቁጠባዊ ብልፅግና ንምስፍሕፋሕን ሳልሳይ ድማ ሰናይ ምሕደራ ብዝምልከትን እዩ ኢለን።

ምምሕዳር ባይደንን ፐሎስን ኣመሪካ ሓንቲ ቻይና ንዝብል ፖሊሲ ቤጂንግ ከምዝድግፉ ብምግላፅ ምስ ታይዋን ዘይስሩዕ ርክባትን ናይ ምክልኻል ምትእስሳርን ግን ይፈቕዱ።

XS
SM
MD
LG