ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዂናት ዩክሬን ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ቅልውላው መግቢ ዘስዕብ'ዩ ክብሉ ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣጠንቂቖም


ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ደቪድ በስለይ
ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ደቪድ በስለይ

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ኣብ ዓለም ድሕሪ ካልኣይ ዂናት ዓለም ዝተራእየ ዝኸፍኣ ቅልውላው መግቢ ከስዕብ ይኽእል'ዩ ክብል የጠንቅቕ።

ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ደቪድ በስለይ ትማሊ ሰሉስ ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት: እቲ ሓደ ወርሒ ኣቑጺሩ ዘሎ ኹናት ንዩክሬን ካብ መሶብ መግቢ ናብ ተጸባይቲ መግቢ ቀይርዋ ኢሎም።

ኣብ ዓለም ን125 ሚልዮን ህዝቢ ንምምጋብ ካብ ዝግዛእ እኽሊ እቲ 50% ካብ ዩክሬን ዝመጽእ እዩ ዝበሉ እቶም ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብተን ድሮ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ መግቢ: ነዳዲን መጉዓዝያን ዝወሃብ መግቢ ብፍርቂ ነኪዩ ዝጸንሓለን ከም የመን ኣብ ዝበላ ብኹናት ዝተሃስያ ከባቢታት ራሽን ምንካይ ከምዝጅምር ኣጠንቂቆም።

እቲ ኹናት እንተቀጺሉ ናብ ጥምየት ከምርሕን ንሃገራት ዘይምርግጋእን ዋሕዚ ስደተኛታት ዝፈጥር እዩ ክብሉ እውን ወሲኾም ኣጠንቂቆም።

ምኽትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዊንዲ ሸርማን በቲ ኩነታት ናይ ሩስያ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ተሓታቲ'ዮም ክብላ ኸለዋ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ልኡኽ ሩስያ ብወገኖም እቲ ብኣመሪካን ካልኦትን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተገብረ ማዕቀባት እዩ ነዚ ፈጢሩ ኢሎም'ለዉ።

XS
SM
MD
LG