ዋሽንግተን —
ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ቢሊንከን፣ ኣብ’ዚ ሳልስቲ’ዚ ኢንዶኔዥያ ኣብ ተተኣናግዶ ዋዕላ ጉጅለ 20፣ ሩስያ ኣብ ዩክሬን ዝፈጸመቶ ወራር ቀንዲ ዛዕበኦም ከምዝገብሩ ተገሊጹ።
ሎሚ ረቡዕ ናብ’ቲ ዞባ ዝብገሱ ኣንቶኒ ብልንክን፣ ጎና ጎኒ ዋዕላ ጉጅለ 20፣ ምስ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ’ውን ከምዝራኸቡ ተጠቂሱ ኣሎ።
መዘራረቢኦም ኣጀንዳ፣ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ ቻይናን ኣመሪካን፣ ኩነታት ኣየር (ክሊማ)፣ ዓለምለኻዊ ኩነተ ጥዕናን ኩነተ ማይንማርን ክኾኑ እዮም።