ዩክሬን ኣብ ከተማ ማሪፖል ዘለዉ ሲቪላት ንድሕነቶም ንክወጹ ምስ ሩስያ መባእታዊ ስምምዕ ከምዝገበረት ክትገልጽ ከላ፡ ሩስያ ድማ እቶም ኣብታ ከተማ ዝተረፉ ወተሃደራት ዩክሬን ኢዶም ክህቡ ትጠልብ ኣላ።
ምኽትል ቀዳማይ ሚንስተር ዩክሬን ክዛረብ ከሎ፡ ነቲ ሰብኣዊ ቅዝፈት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሰብኣዊ መተሓላለፊ ክኽፈትን ቆልዑን ኣንስትን ክወጹን ኢና ኣተኩርና ንሰርሓሉ ዘለና ኢሉ።
ሩስያ ድማ ኣብ ማሪፖል ዘለዉ ወተሃደራት ኢዶም ክህቡ ንሎሚ ረቡዕ `ያ ደረት ግዜ ሂባ ዘላ ዩክሬን ንናይ ቅድሚ ሎሚ ጠለባት ክትነጽጎ ጸኒሓ`ያ።
እዚ ናይ ማሪፖል ምዕባለ ዝስማዕ ዘሎ፡ ሩስያ ኣብ ስትራተጂያዊ ዝብሃል ዞባ ዶንባስ ወተሃደራዊ ህላዌኣ ኣብ ተሕይለሉ ዘላ እዋን`ዩ።
ሚንስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ ብወገኑ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይልታት ሩስያ ንዕርድታት ዩክሬን ንምስባር መጥቃዕቶም ኣሓይሎም ኣለዉ፡ እዚ ድማ ተደራቢ ሓይልን ኣጽዋርን ናብ ምብራቓዊ ክፍሊ`ታ ሃገር ንኸይመጽእ ንምትዕንቓፍ`ዩ ኢሉ።
ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ጀን ፕሳኪ ብወገና፡ ፕረዚደንት ባይደንን መራሕቲ ኤውሮጳን ካናዳን፡ ንኪየቭ ተወሳኺ ኣጽዋራትን ጸጥታዊ ሓገዝን ብዛዕባ ምሃብ ምዝርራቦም ሓቢራ`ላ።
ሓደ ላዕላዋይ በዓል-ስልጣን ምክልኻል ኣመሪካ ብወገኑ፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ ወሲድዎ ዘሎ ሓዲሽ መጥቃዕቲ ፡ ንዝሰፍሐ ስጉምቲ መባእታ`ዩ፡ክልቲኦም ወገናት ኣትኪሎም ክዋግኡ ስለዝኽእሉ ኢሉ እቲ ዂናት ንንውሕ ዝበለ ግዜ`ውን ክቕጽል ይኽእል`ዩ ኢሉ።