ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኵባንያ ኒውሮሊንክ ናብ ሓንጐል ሰብ መሳርሒ ንምግጣም ፍቓድ ክወሃቦ ይሓትት


ኢላን ማስክ
ኢላን ማስክ

ብቢልዮነር ኢላን ማስክ ዝውንነ ትካል ኒውሮሊንክ፡ ኣብ ሓንጐል ሰብ ተሰዂዑ ኣብ ስራሕ ዋህዮታት ንንምድግጋፍ ዝሰርሕ መሳርሒ ንምትካል ፍቓድ ክወሃቦ ይሓትት ከም ዘሎ ወናኒ እቲ ትካል ገሊጹ።

ማስክ ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝገበሮ ናይ ቴለቪዥን መብርሂ፡ ትካሉ ነቲ መሳርሒ ኣብ ዝመጽእ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንፈተነ ከቕርቦ ፍቓድ ይጽበ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ኒውሮሊንክ፡ ብዝተፈላለዩ ሓደጋን ባህርያዊ ጸገማትን ናይ ሓንጐል መጕዳእቲ ንዘጋጠመሞ ዜጋታት ንምሕጋዝ መጽናዕቲ ዝግበር ትካል’ዩ። እዚ ትካል፡ ኣብ ሓንጐል ሰብ መሳርሒ ብምትካል ነቲ ዝተጐድአ ኣካል ንምሕጋዝ ዘኽእል’ዩ። እዚ ካብ 1960ታት ኣትሒዙ ኣብ በበይኑ ደረጃታት ፈተነ ዝጸንሐ መስርሕ ብዙሕ ምዕባለታት ገይሩ ከም ዘሎ ይንገር።

ኣብ ዋሺንግተን ዩኒቨርስቲ ኣብ ማእከል ምርምር ሓንጐል ዝሰርሕ ፕሮፈሰር ራጀሽ ራኦ ግን እቲ ብኢላን ማስክ ዝቐረበ ንድፊ ግዜ ክውንነታዊ ከም ዘይመስል ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ። እቲ ተመራማሪ ከም ዝገልጾ፡ ትካል ኒውሮሊንክ ምስተን ካልኦት ትካላት መጽናዕቲ ብምንጽጻር ተዛማዲ ገስጋስ ገይራ ደኣ ትሃሉ እምበር፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንፈተና ምግባር ዘኽእል ኣቃውማ ግን የብላን ኢሉ። ብመሰረት ቀሪቡ ዘሎ ውጥን፡ እታ ኣብ ሓንጐል እትስኳዕ መሳርሒት ብደገን ናይ ኮምፕዩተር ኣገባብን ምቍጽጻራ ዝከኣል’ዩ። እታ መሳርሒት ድማ ነቲ ተጐዲኡ ዘሎ መትንታት ብምትካእ ኣብ ምንቅስቓስ ትሕግዝ።

ኢላን ማስክ ኣብ ዝገበሮ መብርሂ እታ መሳርሒት ጭዋዳታት ኣብ ምንቅስቓስን ርእየት ኣብ ምንጻርን ዓቢ ኣበርኽቶ ክትግበር ተስፋ ተነቢሩላ ኣሎ። ማስክ ኣብ መግለጺኡ፡ ንኣካላዊ ስንክልና ምሉእ ድጋፍ ዝህቡሉ መገዲ ኣብ ምንዳይ ከም ዘለዉ’ውን ጠቒሱ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዓውዲ ኣብ በበይኑ ሃገራትን ዩኒቨርስታትን ዝሰርሑ ክኢላታት ቅድሚ ሕጂ ተኽእሎታት ከም ዘሎ ክሕብሩ ጸኒሖም’ዮም። እንተዀነ እቲ ክግበር ዝጸንሐ ፈተነታት ብኣዝዩ ንእሽቶ ዓቕሚን ውሱንነት ክካየድ ስለ ዝጸንሐ ዓማሚ ስእሊ ምሃብ ዘኽእል ኣይኰነን። እቲ ተኽእሎታት ከም ዘሎ ግን ኣይሰሓትን።

XS
SM
MD
LG