መቐለ —
ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ በበይኖም ኣካላት ሕብረተሰብ ሰፊሕ ስነ-ኣእሙራዊ በሰላ ይሓድግ ምህላዉ ፍሉጥ ኰይኑ፡ ኣብ ኣደታትን ህጻናትን ዝወርድ ዘሎ ሃስያ ግን ሕልፊ’ዩ። ኰኾብ ገብሩ እምበኣር ብሞያኣ ኣብዚ ስራሕ ንምቅላል ትሰርሕ ዘላ መንእሰያ’ያ።