ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኲናት ክልል ዓፋር ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ዜጋታት የመዛብል


ካብ ክልል ዓፋር ዝተምዛበሉ ኤርትራዊያን ስደተኛታት
ካብ ክልል ዓፋር ዝተምዛበሉ ኤርትራዊያን ስደተኛታት

ኲናት ክልል ትግራይ ናብ ጎረቤት ክልል ዓፋር ድሕሪ ምልሓሙ እናተጋደደ ብሰንኪ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ዜጋታት ካብቲ ክልል ከም ዝተመዛበሉ፡ ንጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብቲ ከባቢ ሓቢሩ።

ከም ሓበሬታ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ፡ እቶም ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣትሒዞም ምምዝባል ዝጀመሩ ነባሮ ክልል ዓፋር እንኮላይ ኣብቲ ቦታ ተዓቚቦም ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሄረ-ዓፋር’ዮም።

ከም ሓበሬታ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ጸጥታ እቲ ከባቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ይመጽእ ብምህላዉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ጥራይ ኣስታት 300-ሽሕ ዜጋታት ክመዛበሉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 20-ሽሕ ካብኣቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት’ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልል ትግራይን ናይ ምቍራጽ ተጻብኦታት ኣዋጅ ደኣ ይገበር እምበር፡ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብሮ ውጽኢት ግን ኣይሃበን። ከም ጸብጻብ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ፡ ድሕሪ’ቲ ናይ ምቍራጽ ተጻብኦታት ዜና፡ ኣብ ክልል ዓፋር እቲ ኲናት ብዝበርትዐ ይቕጽል ኣሎ።

XS
SM
MD
LG