ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኲናት ኣብ ዝካየደሎ ዘሎ ኣርባዕተ ዞባታት ክልል ኣምሓራ 1.5 ሚልዮን ተማሃሮ ትምህርቶም ምቁራጾም ተገሊጹ


ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ

ኲናት ኣብ ዝኻየደለን ዘሎ ኣርባዕተ ዞባታት ክልል ኣምሓራ ዝመሃሩ ዝነበሩ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ተማሃሮ ትምህርቶም ከምዘቛረጹ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ምኽትል ቢሮ እቲ ክልል ኣቶ ጌታቸው ቢያዝን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሸባሪ ክብል ዝሰዮሞ፥ ሓይልታት ትግራይ እናበሉ ንርእሱ ዝጸውዕ ኣካል ወረራ ፈጺምሎም ኣብ ዝበሃሉ ከባቢታት ልዕሊ 1,005 ኣብያተ ትምህርቲ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብኸፊሉ ዓንዩ እዩ ኢሎም።

ህወሓት ግን ነቲ ኣዕንዩ ዝብል ክሲ ኣይቅበሎንእዩ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብኹናት ዓንዩም ንዝተባህሉ ኣብያትር ትምህርቲ ንምጥያስ 100 ሚልዮን ብር ሓገዝ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ከምዝተገብረ ይዝከር ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG