ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርፂ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ልዕሊ 1.6 ቢሊዮን ብር ዝግመት ዕንወት ከምዘስዓበ ተገሊፁ።
ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣቶ ሞገስ መኮንን ኣብ እዋን ኲናት ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርፂ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዕንወትን ስርቂ መሳርሒታትን የጋጥም እዩ ኢሎም።
ብሰንኪ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ልዕሊ መስመራት መተሓላለፊን ጣቢያታት መከፋፈልን ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ልዕሊ 1.6 ቢሊየን ብር ዝግመት ጉድኣት ከምዝተመዝገበ ኣቶ ሞገስ ገሊፆም።
ኣብ እዋን እቲ ኲናት ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብርክት ዝበሉ ጣቢያታት፣ መሳርሕታትን መስመራትን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዓንዮም እዮም፣ እናተቖረፁን እናተፈትሑን እውን ተወሲዶም እዮም ክብሉ ተዛሪቦም።
ኣብ 2013 እቲ ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ ምስተወለዐ፣ ኣብቲ ክልል ተመሳሳሊ ዕንወት ትሕተ ቅርፂ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ዝተዛረቡ ኣቶ ሞገስ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ምስኣተወ ፅገና ከምዝተገበረ ኣዘኻኺሮም። እቲ ኣጋጢሙ ዝበሉዎ ልዕሊ 1.6 ቢሊዮን ብር ዝግመት ዕንወት ንክልል ትግራይ ዘየጠቓልል ምዃኑ'ውን ኣብሪሆም።
እቲ ሕጂ ዳግም ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትሕተ-ቕርፂ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተመሳሳሊ ዕንወት ከስዕብ ከምዝኽእል ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን፣ ብዘይካ እዚ ቅድሚ ሕጂ ብዘጋጠመ ጉድኣት ኣብ ፀልማት ንዘለው ከባብታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምቕራብ ንዝግበር ፃዕሪ ከምዘኽብዶ ገሊጾም።