ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮ/ል ደመቀ ዘውደ፡ ወ/ሮ ከርያ ኢብራሂም ናይ ሕወሓት ሓላፍነትን ግዴታን ንምፍጻም`የን ኣብ ቤት-ምኽሪ ፈደረሽን ዘለዋ ይብል


ኮ/ል ደመቀ ዘውደ
ኮ/ል ደመቀ ዘውደ

ኣፈ-ጉባኤ ቤት-ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ወ/ሮ ከርያ ኢብራሂም፡ ህዝቢ ኣምሓራ ናይ መንነት ሕቶ የብሉን ምባለን፡ እቲ ቤት-ምኽሪ ብሕወሓት ይምራሕ ምህላዉ ዘርኢ`ዩ ክብል ኣቦ-መንበር ኮሚቴ ሕቶ መንነት ወልቃይት ኮ/ል ደመቀ ዘውደ ከሲሱ።

እቲ ኮ/ል ነዚ ዝበለ፡ ኣባል- ፈጻሚ ስራሕ ሕወሓትን ኣፈ-ጉባኤ ቤት-ምኽሪ ፈደረሽንን ወ/ሮ ከርያ ኢብራሂም፡ ለንቅነ ኣብ ኣዳማ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ-ዘተ፡ ብኽልል ኣምሓራ ኣፍልጦ ዝረኸበ ናይ መንነት ሕቶ የለን ድሕሪ ምባላ`ዩ። ኮ/ል ደመቀ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ፡ ምሉእ ኢትዮጵያ ዝፈልጦ ሕቶ መንነት ኣምሓራ ንምዕፋን ዝግበር ስራሕ`ዩ ይብል።

“ወ/ሮ ከርያ ኣብ ፈደረሽን ዝተቐመጣ ንሕግን ደምብን ፈደረሽን ዘይኮናስ ንሕወሓት`የን፡ ንሕና ንሕወሓት እናኸሰስና፡ በዓልቲ ስልጣን ሕወሓት ኮይነን ፍታሕ ከምጽኣልናን ክዳንያናን ኣይንሓስብን።”

ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG