ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ርዋንዳን ኣብ ሓድሽ ምትፍናን ኣትየን


መራሕ ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎን መራሒ ርዋንዳን- ፋይል
መራሕ ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎን መራሒ ርዋንዳን- ፋይል

በብእዋኑ ክሕርፍፍ ዝጸንሐ ዝምድና ርዋንዳን ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን፡ ርዋንዳ ክሊ ኣየረይ ተጣሒሱ ኢላ ድሕሪ ምኽሳሳ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ይዓርግ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ነፈርቲ ውግእ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ናብ ክሊ ኣየር ርዋንዳ ምእታወን ድሕሪ ምፍላጡ፡ ርዋንዳ “ተዃታዂ ተግባራት” ክትብል ጸዊዓቶ ኣላ። ብመሰረት ጸብጻብ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብቲ ስፍራ ነፈርቲ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ናብቲ ጥሒሰንኦ ዝተባህለ ክሊ ኣየር ድሕሪ ምእታወን ዝተኰስኦ ነገር ኣይነበረን። ብወገን መንግስቲ ርዋንዳ፡ ብዘካ ንዓለምለኸ ትካላት ምሕባር ግብረ-መልሲ ከም ዘይተዋህበ’ውን ተሓቢሩ ኣሎ።

ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ከቢድ ግፍዒ ይፍጽሙ ኣለዉ ኢላ እትኸሶም ዕጡቓት ጕጅለ M23፡ ርዋንዳ ከም እትሕግዞም ትኸስስ። ብሰንኩ ድማ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ኣምባሳድር ርዋንዳ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣባሪራ ነይራ። ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ መንእሰያት ኣንጻር M23 ዝተባህሉ ዕጡቓት ክዋግኡ ጻውዒት ኣቕሪባ ኣላ።

ክልቲኦም ኣካላት ኣብ ናይሮቢን ኣንጎላን በብእዋኑ ክዛራረቡ ዝጸንሑ ምዃኖም ይፍለጥ። ዛጊት ግን ስምምዕ ኣይፈረሙን። እዚ ፍጻመ ተወከልቲ ክልቲኦም ሃገራት ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሉዋንዳ ኣንጎላ ድሕሪ ምኽራቦም’ዩ።

XS
SM
MD
LG