ዋሽንግተን —
ኣብ መአከቢ ኣዳራሻት ኣብያተ ምኽሪ ኣሜሪካ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ዘጋጠመ ህውከት፣ ሎም ቅነ ዝስየም ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ፣ ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንምውራድ ዝጽውዕ ውሳኔ ከድምጽ እዩ።
ብመሰረት ዝመጸና ዜና፣ ቀዳማይ ስጉምቲ፣ ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስን ኣፈጉባኤን፣ ነቲ ንፕረዚደንት ብቁዕ ኣይኮነን ዝብል ዓንቀጽ ዝሓዘ ‘መበል 25 ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲን’ አብ ጥቅሚ ንክውዕልን ምሕታት ክኾን እዩ።
ምክትል ፕረዚደንትን ካቢነን ኣይንገብሮን ኢና ዋላ’ውን እንተበሉ፣ ቤት ምክሪ ኣሜሪካ፣ ነቲ ንምውራድ ትራምፕ ዝጽውዕ ውሳነ ንክሓልፍ ክቅጽሉ እዮም።
ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስ፣ ነቲ ጻውዒት ክቅበሉ እዮም ዝብል ትጽቢት የለን።
ትራምፕ፣ ኣብ’ቲ ሎሚ ከምዘይጥቀሙሉ ዝተዓጸወ ትዊተሮም ‘ንዕግርግር ብምልዕዓልን ቅድሚ’ቲ ህውከት፣ ንደገፍቶም "ክሳብ መወዳእታ ሎሚ እተዘይቃሊስኩም፣ ሃገር ኣይክትህልወኩምን’ያ" ኢሎም ነይሮም።