ዋሽንግተን —
ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ኣደመንበር ንኡስ ኮሚቴ ኣፍሪቃ ካረን ባስ፡ ብዛዕባ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጺሙ ዝብሃል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት መግለጺ ኣውጺኣ። ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጺሙ ብዛዕባ ዝብሃል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕታትን ኣሻቒሉኒ`ሎ ዝበለት ካረን ባስ- ብሰንኪ`ቲ ኣብ መንጎ መንግስትን ህወሓትን ዝተጋደድ ምስሕሓብ ኣብ ልዕሊ ኣሸሓት ሰላማዊያን ሰባት መቕተልቲ: ዓመጽ: መጥቃዕቲ ወሪዱ ዝብሃል የሻቕለኒ`ሎ ኢላ።
ኣብታ ሃገር ዓሌታዊ ጎንጺ፡ ብዘይፍርዲ ቅትለት: ጾታዊ በደል ከምኡ`ውን ዘረፋታት ኣሎ፡ ምትዕንቓፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ንትግራይ`ውን ቀጺሉ ዝበለት ካረን ባስ፡ ምስ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተራኸበትን፡ ቅጽበታዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበርን ብኣህጉራዊ ኮሚኒቲ ብናጻ ወገን መርመራ ክግበር ብጽኑዕ ከምዘተሓሳሰብትን ጠቒሳ`ላ።
ካረን ባስ ዓሌትን ሃይማኖትን ዒላማ ዝገብር መጥቃዕቲ ዝኹንን ንድፊ ምስ ብጾታ ኮይና ተዳሉ ከምዘላ`ውን ሓቢራ`ላ ።